ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

በደቂ- ኣንስትዮ ጥራይ ትምራሕ ነፋሪት ኢትዮጵያ በረራአ ዛዚማ ተመሊሳ


ምሉእ አባላታ ደቂ-ኣንስትዮ ዝኾነት ነፋሪት መንገዲ አየር ኢትዮጵያ ናይ ባንኮክ ጉዕዞአ ዛዚማ ትማሊ ንግሆ አዲስ አበባ ኣትያ።

እዚ አብ ኢትዮጵያ ብዓይነቱ ናይ መጀመርያ ብደቂ-ኣንስትዮ ጥራይ ትምራሕ ነፋሪት ካብ አብራሪት፡ተሓጋጋዚት አብራሪት ጀሚሩ ክሳብ ናይ ቴክኒክ ሰብ- ሞያ ኩላተን ደቂ-ኣንስትዮ’የን።

እታ ነፋሪት መዓርፎ ነፈርቲ ኣዲስ ኣበባ አብ ዝዓተወትሉ ቀዳመይቲ ኢትዮጵያዊት ካፕቴን አስካል ጓሉ ንቪኦኤ ኣብ ዝሃበቶ ርእይቶ እዚ ታሪካዊ በረራ ዓቢ መልእኽቲ ዘለዎ’ዩ ትብል።ብተወሳኺ ንሳ 'ብመጀመርያ ደቂ-አንስቶዮ ማዕረ ዕድል እንተተዋሂቡወን አብኩሉ ናይ ስራሕ ዓውድታት ክሳተፋ ከምዝክእላ ዘርእይ ክከውን ከሎ ካልኣይ ድማ አብ ሕብረተሰብ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ዘምጽእ’ዩ ምክንያቱ ብተግባር ዝተራእየ ስለዝኾነ ሕብረተሰብ ጽቡቕ ርድኢት ክሕልዎ ዝሕግዝ’ዩ።”

መንገዲ አየር ኢትዮጵያ ዝመጽእ ዓመት በአቆጻጽራ አውሮጳ መበል 70 ዓመቱ ዘክብር ምኳኑ እዚ ታሪካዊ በረራ እቲ መንገዲ ኣየር ደቂ-አንስትዮ ብብቕዓት አብ ምስልጣን ዝስርሖ ስራሕ ሓሊፉ ነቲ መንገዲ አየር አብ ዝተፈላለየ ጽፍሒታት ዘፋልጥ’ውን’ዩ ኢለን ምክትል ፕረዝደንት ክፍሊ ማርኬቲንግ አብ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ራሄል ኣሰፋ።

ምሉእ ትሕዝቶ ንምስማዕ አብዚ ይኸአል።

በደቂ- ኣንስትዮ ጥራይ ትምራሕ ነፋሪት ኢትዮጵያ በረራአ ዛዚማ ተመሊሳ
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:38 0:00

XS
SM
MD
LG