ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

‘ደቂ-ኣንስትዮ ንሰማይ ተቖጻጺረነኦ’ - መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ


female flight crew
female flight crew

መንገዲ አየር ኢትዮጵያ በዓይነቱ ናይ መጀመርያ ዝኾነ ብደቂ-አንስትዮ ጥራይ ዝምራሕ ነፋሪት ናብ ባንኮክ አብሪሩ። እዚ በዓይነቱ ፍሉይ ዝኾነ በረራ ብምክንያት መበል 70 ዓመት መንገዲ አየር ኢትዮጵያ ዝተዳለወ ክኸውን ከሎ ካብ ናይ ቴክኒክ በዓል ሞያ ክሳብ አበራሪት እታ ነፋሪት ምሉእ ጉጅለ ሰራሕተኛታት እታ ነፋሪት ደቂ-አንስትዮ ኾይነን ትማሊ ረቡዕ ምሸት ናብ ባንኮክ ታይላንድ በረራ አካይዱ’ሎ።

ኣካያዲ ስራሕ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣቶ ተወልደ ወ/ማርያም፣ እቲ ስርሒት ደቂ-ኣንስትዮ ኣፍሪቃን ዓለምናን ከተባብዕ’ዩ ኢሎም።

ኣብ’ቲ በረራ፣ ቀዳማዊት እመቤት ሮማን ተስፋዬ ዝርኸብዎም ውሩያትን ዕውታትን ደቂ-ኣንስትዮን ካልኦት ዕዱማት ገየሽቲን ተሳፊሮም ኔይሮም።

ምሉእ ትሕዝቶ አብዚ ምስማዕ ይኸአል።

‘ደቂ-ኣንስትዮ ንሰማይ ተቖጻጺረነኦ’ - መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:43 0:00

XS
SM
MD
LG