ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣባላት ገዛኢ ፓርቲ ብዘይምዃንና ስራሕ ክንቑፀር ኣይክኣልናን ይብሉ ገለ መናእሰይ ኣዲስ ኣበባ


Ethiopia
Ethiopia
ኣብ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብናይ ጉልበት ስራሕ ንምቑፃር ካብ ገበን ነፃ ምዃኖም ዘረጋግፅን ካልኦትን ስነዳት ምሰቕረቡ ናይ ሙቑፃር ከይዲ ጠጠው ምባሉ ንሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ሪኢቱኦም ዝሃቡ ገለ መናእሰይ ኣዲስ ኣበባ ገሊፆም።ምኽንያቱ ድማ ኣባላት ገዛኢ ፓርቲ ኢህወደግ ስለዘይኮና እዩ ኢሎም።መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ግን ካብ ብቕዓት ወፃኢ ካሊእ መምዘኒ የብልናን ይብል።
መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ክፍቲ ናይ ጉልበት ስራሕ ከምዘለዎ ምስ ሰምዐ ኩሎም ዘድልዩ ሰነዳት ብምምላእ ስራሕ ናብ ዘቑፅር ማክቤል ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ናይ ውልቂ ማሕበር እንተቕረበ’ውን ናይ ስራሕ ዕድል ከምዘይረኸበ ወዲ 27 ዓመት ነባሪ ከተማ ኣዲስ ኣበባ መንእሰይ ኣሸናፊ ደስታ ይገልፅ።ምኽንያቱ እውን ናይቲ ገዛኢ ፓርቲ ኣባል ብዘይምዃኑን የግዳስ ኣብ ቐረባ እዋን ናይ ዝተጣየሸ ‘’ናይ በዓል ራኢ ማሕበር መንእሰይ’’ ኣባል ብምዃነይ እዩ ይብል።’’ኩሉ ኢትዮጵያዊ መንእሰይ ተረባሒ ክኸውን ኣለዎ።ኣባል ኢህወድግ እንድሕር ዘይኮይንኻ ስራሕ ኣይትረኽብን ምባሉ ሓደገኛ እዩ።’’
ሽሞም ክግለፀሎም ዘይደለዩ ገለ ሓለፍቲ ማክቤል ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ናይ ውልቂ ማሕበር’ውን ናይ ጉልበት ስራሕ ንኽሰርሑ ንመናእሰይ ዝመልመልሉ ኣገባብ ብመንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ከምዘይተደልየ ንቪኦኤ ገሊፆም።ብፍላይ ድማ እቶም ተቖፀርቲ ኣባላት ማሕበር መናሰይ ብዓል ራኢ ምዃኖም መፈላልዩ ነጥቢ ምዃኑ ሓቢሮም።
መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ሎማዕንቲ ኣብዝሃቦ መለሲ ዝተውሃበ ሓበሬታ ዝተጋገየ እዩ ኢሉ።መነግዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ስራሕ ንትካላት ወሃብቲ ኣገልግሎት ብምሃብ ከምዘስርሕ ዝሓበራ ምኽትል ፕሬዝዳንት ምምሕዳር ሓይሊ ሰብ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ወ/ሮ ኤልሳቤት ጌታቸው ኣብ ከይዲ ሙቑፃር ሓይሊ ሰብ ርክብ ዝፈጥራ ምስቶም ትካላት እምበር ምስ ውልቀ ሰራሕተኛታት ኣይኮነን ኢለን።
ንናይ ጉልበት ስራሕ ዝቐረቡ ሰራሕተኛታት ብቑዓት ኮይኖም ኣይተረኸቡን ዝበላ ወ/ሮ ኤልሳቤት እቲ ሳልሳይ ናይ ስራሕ ዓይነት ማለት’ውን ምምልላስ ኣቑሑት መንገደኛታት ብምዃኑን ንብረት ዘለዎ ስለዝኾነን ዝለዓለ ጥንቃቐ ዘድልዮ ስራሕን ኣብኡ ዝሳተፍ ትካል ጥብቕ ንዝበለ መዐቀኒ ክሓልፍን ኣለዎ ኢለን።
ኣባላት ብዓል ራኢ ማሕበር መናእሰይ ስለዝኾና እዩ ዝተነፈገና ብዛዕባ ዝበልሉ እንትምልሳ እቲ እንኮ መዕቀኒ ብቕዓት እዩ፣ክዘራረቡ እንተኾይኖም እውን ምስ ማክቤል እምበር ምሳና ዘራኽብ የብሎምን ኢለን።
XS
SM
MD
LG