ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'ኢትዮጵያ፡ገና ውሕስነት መግቢ አየረጋገጽናን' ሚኒስትር ዴኤታ ወንድራስ


ኣብ ዝተፈላለየ ክፍልታት ኢትዮጵያ ድርቂ እንተጋጠመ'ዃ ናይታ ሃገር ሓፈሻዊ ምህርቲ እኽሊ ግን ኣይነኸየን ክብል ሚኒስትሪ ሕርሻ'ታ ሃገር አፍሊጡ።

አብ ዝሓሸ ከባቢታት ብመሰረት ዝሰራሕናዮ ስራሕ ዝሓሸ እንበር ዝወሓደ ምህርቲ ኣይንጽበን ዝበለ ሚኒስትር ዴኤታ ወንድራድ ማንደፍሮ መብዛሕትኡ ዝቀርብ ዘሎ ረድኤት'ውን ዓቕሚ መንግስቲ'ዩ ኢሎም።

'ዓለም ከምዝፍለጥ ብኩነታት ስደትን ካልኦትን አብ ቅልውላው'ያ ዘላ ንኢትዮጵያ ብዘድሊ ብርኺ ትኹረት ተዋሂቡ ዝመጸ ረድኤት የለን። ውሑዳት ጅማሮ አለው ግን ቀንዲ ዓቕሚ ኮይኑ ዘሎ መንግስቲ ካብ ካዝና መሓለውታ ባጀት አውጺኡ'ዩ ዝህብ ዘሎ እዚ ኸአ ብምኽንያት ዕብየት ቁጠባና ዝተረኽበ'ዩ። ዛጊት አብ ውሽጢ ሃገር ዝሕፈስ እኽሊ ንውሽጢ ሃገር ዝአኽለሉ ብርኪ ብምግቢ ርእስካ ምኽአል በጺሕና'ለና' ዝበሉ'ቶም ሚኒስትር ዴኤታ አብ ደረጃ ውሕስነት ምግቢ ግን ኣይተበጽሓን'ውን ኢሎም።

ቁጽሪ ረድኤት ምግቢ ዘድልዮም ኢትዮጵያዊያን አስታት 8 ሚሊዮን ከምዝኾነ ሰበ-ስልጣን'ታ ሃገር አብ ዝተፈላለዩ ጊዜ ምግላጾም ይዝከር።

XS
SM
MD
LG