ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ደቡብ ወረዳ ቁጫ ልዕሊ 20 ኣብያተ ትምህሪ ምፅዓወን ተፈሊጡ


ኣብ ክልል ብሄር፣ብሄረሰባትን ህዝብታትን ደቡብ ኣብ ወረዳ ቁጫ ብዝተልዓለ ህውከት ልዕሊ 20 ኣብያተ ትምህርቲ ከምዝተዓፀውን ካብ ሓደ ምእቲ ንላዕሊ ተምሃሮ፣መምህራንን ገባራትን ምእሳሮም ተገሊፁ።

ካብ ቀረባ ኣዋርሕ ጀሚሩ መንነት ህዝቢ ቁጫ ኣፍልጦ ንኽውሃቦ ሕቶ ካብ ዝልዓል ዘይምርግጋእ እናዓበየ ከምዝኸደ ዝገልፁ ናይቲ ከባቢ ምንጭታት ካብ ዝሓለፈ መወዳእታ ወርሒ ጥቅምቲ ጀሚሩ ድማ ናብ ኣብያተ ትምህርቲ ምግፍሑ ንቪኦኤ ተዛሪቦም።

ገል ስሞም ክግለፀሎም ዘይደለዩ ምንጭታት ከምዝሓበርዎ ሕቶ መንነት ብምልዓል ንናይቲ ወረዳ ህዝቢ ኣለዓዒልኩም ኣብ ልዕሊ ዝተብሃሉ ሰባት ለይቲ ብዘይፍለጡ ሰባት ኣእማን ከምዝድርበዮም ሓቢሮም።

ጉድኣት ዝበፅሖም ሰባት እቲ ህውከት ጠጠው ንኸብለሎም ንፖሊስ እንተሓተቱ እውን ዝሰምዖም ከምዝስኣኑ ይገልፁ።

ኣቶ ጋሴላ ጋኔቦ ዝተብሃሉ ነባሪ ከተማ ሰላም በሪ ንቪኦኤ ኣብዝሃብዎ ቃል ኣብ ዋና ከተማ እታ ወረዳ ማለት እውን ኣብ ሰላም በሪ ካብ 21 ጥቅምቲ 2006 ዓ/ም ጀሚሩ ክልተ መምህራንን 25 ተምሃሮን ኣብ ፖሊስ ጣቢያ ተኣሲሮም ይርከቡ ኢሎም።

ኣብ ጣቢያ ኬሴጌንዜ 107 ተምሃሮን ሓረስቶትን ከምዝተኣሰሩን ኣብ ጣቢያ ጋሌ ድማ ሽዱሽተ ኣብያተ ምንበሪ መምህራንን ቤት ትምህርትን ብሓዊ ከምዝነደዱን ዘንደዶም እውን መን ምዃኑ ከምዘይፍለጥን ኣቶ ጋሴላ ጋኔቦ ተዛሪቦም።

ጌረራ፣ዳኦ፣ገላ፣ቦላን ሲቆለን ኣብ ዝተብሃሉ ካልኦት ጣቢያታት እውን ካብ ናይ መምህራን ኣብያተ መንበሪ ብተወሳኺ ቤት ፅሕፈት ጣቢያ እውን ተባሪዑ’ሎ።ምምህራን ተባሪሮምን ተቐጥቂጦም ዝበሉ ኣቶ ጋሴላ ኣብቲ ወረዳ ካብ ዝርከቡ ኣብያተ ትምህሪ ብዘይካ ሒደት 23 ኣብያተ ትምህርቲ ተዓፂየን ኢሎም።

ስሞም ክግለፀሎም ዘይደለዩ ካልኦት ምንጭታት እውን ተመሳሳሊ ሓበሬታ ሂቦም ኣለው።
ብዛዕባ እዚ ንኣማሓዳሪ እቲ ወረዳን ኣዛዚ ፖሊስን ንምዝርራብ ዝተገበረዎ ፃዕሪ ኣይሰለጠን።
XS
SM
MD
LG