ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ከይዲ ፍርዲ ዞን 9 ፀሓፍቲ ኢንተርኔትን ጋዜጠኛታትን ተናዊሑ


ዓቃ ቢ ሕ ጊ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ዞን 9 ብዝብል ናይ ዝፍለጡ ኣብ ኢንተርኔት ዝፅሕፉ ኢትዮጵያዊያን ዝቕርቦም ናይ ሽብር ኽስታት ከምሓይሹ ብቤት ፍርዲ ዝተውሃበ ትእዛዝ ከየማልአ ብምትራፉ ሎሚ እውን እቲ ፍርዲ ተናዊሑ።እዚ ምዕባለ እዚ ኣብ ልዕሊ እቶም መናእሰይ ብሎገራትን ጋዜጠኛታትን ዝቐረቡ ኽስታት ውድቕ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም ዝብል ትፅቢት ኣሕዲሩ’ሎ።ኣብ ኢትዮጵያ ብማሕበራዊ መራኸቢ ኣቢሎም ንዓመፅ ብምቕፅቃስ እዮም ተኸሲሶም።

እዞም ዞን 9 ብዝብል ናይ ሓባር ሽም ዝፅውዑ ሽዱሽተ ናይ ኢንተርኔት ፀሓፍቲ ብሎገራትን ሰለስተ ጋዜጠኛታትን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሚያዚያ 2006 ዓ/ም ነይሮም ዝተኣሰሩ።ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ድማ ብፀረ ሽብር ሕጊ ኢትዮጵያ ተኸሲሶም።

ኣቶ ኣምሃ መኮነን ካብቶም ትሽዓተ ተኸሰስቲ ናይ ሸሞንቲኦም ጠብቓ እዮም።ዓቃቢ ሕጊ ኣብ ዝቕፅል ቆፀሮ ነቲ ኽሲ ኣማሓይሹ እንተድኣ ዘየቕሪቡ ዳኛ ንቶም ኽስታት ካብቲ መዝገብ ከውፅእዎ እዮም ኢሎም።

‘’እዚ ንዓቃቢ ሕጊ ዝተውሃበ ናይ መወዳእታ ዕድል እዩ።ቤት ፍርዲ ንሕቶና ተቐቢሉዎ’ሎ’’ ምስበሉ ንሶም ብምስዓብ ‘’ዓቃቢ ሕጊ ኣብዝቕፅል ቆፀሮ በቲ ቤት ፍርዲ ከምዝኣዘዞ ኣነፂሩ ወይ ኣመሓይሹ እንድሕር ዘየቕሪቡዎ እዞም ኣርባዕተ ነጥብታት ካብቲ ኽሲ ክስረዙ እዮም’’ኢሎም።

እቲ ቤት ፍርዲ ካልኦት ክስታት ሎማዕንቲ ሰኒ ተቐቢሉ’ሎ።ኣብ ኣዋጅ ፀረ ሽብር ሕጊ ብዝተቐመጠ መሰረት ተጠርጠርቲ ናይ ሕቡእ ውድብ ብምጥያሽ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ህውከትን ዝተወደበ ዕንወትን ንምብፃሕ ተግባራት ሽብር ክፍፅሙ ተሊሞም ይብል።

ከም ተግባራት ሽብር ኣብቲ ኣዋጅ ዝተቐመጡ ሽዱሽተ ዓይነት ባህሪያት ደቂ ሰባት ጥራሕ ምዃኖምን ሓደ ሰብ ብውዲት ሽብር ክኽሰስ እንተኾይኑ ኣብ ትሕቲ ዓንቀፅ ሰለስተ እቲ ሕጊ ብዝተቐመጠ መሰረት ሓደ ወይ ክልተ ኽስታት ክጠቀሱ ኣለዎም ኢሎም እቶም ጠበቓ።

ዓለምለኸ ጉጅለታት ሰብኣዊ መሰላት ናይ ኢትዮጵያ ፀረ ሽብር ኣዋጅ ዘሻሚን ንተቓውሞ ንምዕፋን ከም መሳርሒ ዝጠቅምን እዩ ክብሉ ብተደጋጋሚ ይነቕፉ።CPJ ብዝብል ሽም ዝፅዋዕ ንጋዜጠኛታት ዝሕለቕ ጉጅለ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብዝገብሮ መፅናዕቲ ኢትዮጵያ ጋዜጠኛታት ብበዝሒ ካብ ዝተኣሰሩወን ሃገራት ሓንቲ ክብል ገሊፁዋ’ሎ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ እዞም ዝተኣሰሩ ገበነኛታት እምበር ጋዜጠኛታት ኣይኮኑን ይብል።

ከይዲ ፍርዲ ናይዞም ብሎገራትን ጋዜጠኛታትን ንመበል 15 ግዜ እዩ ተናዊሑ ዘሎ።ፍርዲ ዝቕፅል 6 ጥሪ 2007 ዓ/ም ክቕፅል እዩ።

XS
SM
MD
LG