ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ህፃናት ክታበት ኣይረኸቡን” ሚ/ጥዕና ኢትዮጵያ


ሚ/ጥዕና ኢትዮጵያ - ፋይል
ሚ/ጥዕና ኢትዮጵያ - ፋይል

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ብሰንኪ ግጭት፣ ድርቅን ካልኦት ተፈጥራዊ ሓደጋታትን፣ ልዕሊ ሓደ ሚሊዮን ዝኾኑ ህጻናት ክታበት ከም ዘይወሰዱ ሚንስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

ምኽትል ሚንስተር ጥዕና ኢትዮጵያ ዶ/ር ደረጀ ዱጉማ ትማሊ ሰሉስ፣ 25 ሰነ 2016 ዓ.ም ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ፣ ብሰንኪ ግጭትን ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታትን፣ ክታበት ዘይጀመሩን፣ ጀሚሮም ዘቋረፁን ልዕሊ ሓደ ሚሊዮን ህጻናት ከም ዘለዉ ሓቢሮም። ነዞም ህጻናት ንምብፃሕ ድማ እቲ ሚንስትሪ፣ ካብ ትማሊ ሰሉስ ጀሚሩ ዝትግበር ወፍሪ ክታበት ወግዓዊ ምግባሩ ሓቢሮም። በዚ ን10 መዓልታት ከምዝፀንሕ ዝተገለፀ ወፍሪ፣ እዞም ልዕሊ ሓደ ሚሊዮን ዝኾኑ ህጻናት ክኽተቡ እዮም ክብሉ ድማ ዶ/ር ደረጀ ገሊፆም። ካብ መንጎ እቶም ክታበት ዘድልዮም ህፃናት ዘለውዎም ከባብታት ሓደ ዝኾነ ክልል ዓፋር ድማ፣ ልዕሊ 200-ሽሕ ክታበት ዘድልዮም ህጻናት ከም ዘለዉዎ ዝተገልጸ ክኸውን ከሎ፣ በቲ ተጀሚሩ ዘሎ ወፍሪ ክታበት 78 ሽሕ ህጻናት ተጠቀምቲ ከምዝኾኑ ተሓቢሩ'ሎ። ብዛዕባ እዚ ጉዳይ መግለፂ ዝሃበ ትካል ጥዕና ዓለም (WHO) ብወገኑ ነቲ ኢትዮጵያ ጀሚራቶ ዘላ ናይ 10 መዓታት ወፍሪ ክታበት ከም ዝድግፍ ኣፍሊጡ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG