ንህንፀት መንገዲ ዝውዕል ናይ 6.2 ቢሊዮን ብር ናይ ልቓሕ ውዕል ኣብ መንጎ ባንኪ ዓለምን መንግስቲ ኢትዮጵያን ሎማዕንቲ ሰሉስ ተፈሪሙ።
ናይ ኢትዮጵያ ዘፈር ልምዓት መንገዲ ካብ ዝቕረፅ ካብ 1997 ዓ/ም ጀሚሩ ናብ 34 ቢሊዮን ዝፅጋዕ ብር ከምዝሃበ ባንኪ ዓለም ኣፍሊጡ’ሎ።
ኣብ እዋን እቲ ስምምዕ ልቓሕ ኣብ ኢትዮጵያ ዳይረክተር እቲ ባንኪ ጉዋንግ ቼን ከምዝበልዎ ናይ ኢትዮጵያ ናይ መንገዲ ልምዓት ዘፈር ኣብ 1997 ኣ/ፈ ክወፅእ ከሎ እውን ባንኪ ዓለም ተሳቲፉ እዩ ኢሎም።
ንኢትዮጵያ ወኪሎም ነቲ ስምምዕ ዝፈረሙ ምንስቴር ዴኤታ ልምዓት ፋይንናስን ኢኮኖሚን ኣቶ ኣሕመድ ሸዲ እቲ ገንዘብ ኣብ ምንታይ ከምዝውዕል ከምዚ ኢሎም።’’ ኣብ ዝቕፅሉ ሓሙሽተ ዓመታት ፕሮጀክት መንገዲ ነቀምት-ቡሬ ናብ ዝልዓለ ናይ ኣስፋልቲ ደረጃ ሓፍ ንምባል፣ዓቕሚ ትካልና ንምዕባይን ከምኡ እውን ንስራሕቲ ፅገና መንገድታትን ክውዕልን እዩ።’’
ፕሮግራም ልምዓት መንገዲ ኢትዮጵያ ሰፊሕ ስለዝኾነ ተሳትፎ ከም ባንኪ ዓለም ዝበሉ መሻርኽቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ እቶም ምንስቴር ድኤታ ሓቢሮም።
ምስ ባንኪ ዓለም ናይ ኣርባዕተ ዓመት ስትራተጂ ስምምዕ ሓገዝ ምፍርራሞም ብምግላፅ ካብ ኣርባዕተ ቢሊዮን ዶላር ንላዕሊ ክኸውን ትፅቢት ከምዝግበር ወሲኾም ገሊፆም።
ናይ ባንኪ ዓለም ናይ ቀሊል ልቓሕ ተጠቀምቲ ካብ ዝኾና ሃገራት ኣፍሪካ ኢትዮጵያ ቀዲማ ከምእትስራዕን እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ ውፅኢታዊ ስራሕቲ ልምዓት ምስራሕ ምኽኣልናን ናይ ተሓታትነት ስርዓትና እውን ብዝለዓለ ዝተጠናኸረ ሰለስኾነን እዩ ኢሎም ምንስቴር ዴኤታ ኣሕመድ ሸዲ።
መንገዲ ነቅምት-ቡሬ ንክልላት ኦሮሚያን ኣምሓራን ኣብ ምርኻብ ወሳኒ ካብ ምዃኑ ብተወሳኺ ኣካል ናብ ሱዳን ዝወስድ መንገዲ ከምዝኸውን እውን ተገሊፁ’ሎ።