ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'ኢትዮጵያ ጽባሕ ሓሙስ ምውጻእ ነዳዲ ብዕሊ ከምትጅምር' ቀ/ሚ ኣብዪ ኣሕመድ ኣፍሊጦም


ቀ/ሚ ኣብዪ ኣሕመድ

ኢትዮጵያ ካብ ጽባሕ ሓሙስ ጀሚሩ ነዳዲ ምውጻእ ከምትጅምር ቀ/ሚ ኣብዪ ኣሕመድ ሎሚ ገሊጾም።

እቶም ቀ/ሚ ሎሚ ረቡዕ ሎሚ ኣብ ዝሃብዎ መግልጺ ‘ፖሊ ጂሲኤል ዝተባሃለ ኩባንያ ቻይና ንዓመታት ኣብ ልዕሊ ዘይተጻረየ ነዳዲን ላምባን ኣብ ዳህሳስ ተዋፊሩ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ብሕልፊ ኣብ ልዕሊ ላምባ ዝተገብረ ኣለሻ ኣዕጋቢ ኮይኑ ስለዝተረኸበ፣ ኣብ ሓደ ዓመት ክሳብ ሓደ ቢልዮን ዶላር ዘርክብ ሰደድ ክህሉ ምኳኑ’ ገሊጾም።

እቲ ተረኺቡ ዘሎ ዕቑር ጸጋ ላምባ ምስ’ቲ ኢትዮጵያ ዘለዋ ጥቅሉል ጸጋ ክነጻጸር ከሎ ኣዝዩ ዝታሓተ ከምዝኾነን ዝያዳ እንተተሰሪሑ ዝሓሸ ውጽኢት ክርከብ ከምዝኽእል’ውን ሓቢሮም።

ጽባሕ ፈተነ ፍርያት ዝግበረሉ ግና ዘይተጻረየ ነዳዲ ከምዝኾነን እዚ ድማ ንኢትዮጵያ ፈላማይን ውጽኢቱ ጽባሕ ንሪኦን’ዩ ዝኾን ኢሎም ቀ/ሚ ኣብዪ ኣሕመድ’ ብመሰረት መንግስታዊ ሚድያ።

XS
SM
MD
LG