ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ: ንግድብ ህዳሴ ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ምምላእ ከምትጅምር ሓቢራ


ኢትዮጵያ ኣብ ዝቕፅሉ ክልተ ሰሙናት ኣብ ዓብዩ ግድብ ህዳሴ ማይ ምምላእ ከምእትጅምር ሚንስትር ማይ፣መሰኖን ኤሌክትሪክን ዶክተር ስለሺ በቀለ ገሊፆም።ንሶም ብተወሳኺ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ዝኾኑ ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃን ሰሪል ራማፎሳ ኣቦ መንበርትነት ዝተኻየደ ልዝብ ነቲ ምምላእ ማይ ክጸንሕ ዝእንፍት ኣይነበረን ክብሉ ኣብሪሆም።

ዶክተር ስለሺ በቀለ እቲ ጉዳይ ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙናት ልዝብ ክዛዘምን ኣብ ውጽኢት ክብፃሕን ዝብል ሓሳብ ከምዝተቐመጠ ሓቢሮም።

‘’ብወገና እቲ ግድብ ማይ ክዓቁር ንሰርሕ ኣለና ፤ኢትዮጵያ ነቲ ግድብ ናይ ምምላእ ስራሕ ድሕሪ ክልተ ሰሙን ክትጅምር እያ’’ ኢሎም።

ኢትዮጵያ፣ግብፅን ሱዳንን ካብቲ ኣኼባ ተመሳሳሊ ኣረዳድኣ ሒዘን ወፂአን'ዶ ንዝብል ዝቐረበሎም ሕቶ: ዶ/ር ስለሺ ብደረጃ መራሕቲ ዝተፈላለየ ኣረዳድኣ ዝተትሓዘሉ ወይ ዝተነገረ ኣይሰማዕኹን ኢሎም።

ምምላእ ማይኮ ቅድመኩነት ስምምዕነት ኣይኮነን፤ ህንፀት ናይቲ ግድብ ኣብዝተወሰነ ደረጃ ክበፅሕ ከሎ ናይቲ ማይ መጠን ክበዝሕ ከሎ ዝዓቁር ማይ እዩ ክብሉ ኣብሪሆም።

’’እቲ ግድብ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ በፂሑ እዩ።ነቲ ጉዳይ ኣዕሚቑ ንዝርድኦ ሰብ ምምላእን ምፍርራምን ዝተፈላለዩ ጉዳያት እዮም፤ቅድመ ኩነት ድማ ዝኾነት ትኹን ሃገር ኣብ ልዕሊ ካልእ ልኡላዊ ሃገር ከተቐምጥ ኣይትኽእልን" ኢሎም።

ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ፕረዚደንት እዚ ጉዳይ ብሚዲያ ይኹን ብዝውሃብ መግልፂ ምጉሁሃር ኣየድልን ክብሉ ምምዓዶም እውን ዶክተር ስለሺ በቀለ ገሊጾም።

ነቲ ምምላእ ዘድልይ ምፅራይ መሬት ይሳልጥ ኣሎ፤ንመጀመሪያ ማይ ዝዓቁር መሬት ፀሪዩ ኣሎ ኢሎም።

ብዝተኣሳሰረ ዜና ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሴ ዝተኻየደ ስምምዕነት እቲ ልዝብ ናብ ኣፍሪቃ ምምላሱ ዘረጋገፀ እዩ ክብሉ ሓላፊ ፕረስ ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ኣቶ ንጉሱ ጥላሁን ገሊፆም።

ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ሰሙን ብኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ዝኾኑ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ፕረዚደንት ሰሪል ራፋሞዛ ኣካቢነት ኣብ ዓብዩ ግድብ ህዳሴ ኢትዮጵያ ኣብ መንጎ ሱዳን፣ግብፅን ኢትዮጵያን ዝተገብረ ስምምዕነት እቲ ልዝብ ናብ ኣፍሪቃ ን ኣፍሪቃ ዊያንን ምምላሱ ዘረጋገጸ እዩ ክብሉ ኣቶ ንጉሱ ጥላሁን ሎሚ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊፆም።

‘’እዚ ልዝብ፣እዚ መድረኽ ናይ ኣፍሪቃ ኣጀንዳ መሊሱ ብኣፍሪቃዊያን ኣብ መሬት ኣፍሪቃ ብዛዕባ ኣፍሪቃ ናይ ምምኽኻር ጉዳይ ስለዝኾነ ብባህሪኡ ፍልይ ዝበለ እዩ’’ ኢሎም ።

ኣቶ ንጉሱ ጥላሁን መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዘቐመጦ ግዜ ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙናት ማይ ምምላእ ንምጅማር ምርብራብ ይግበር ኣሎ፤ኣብቲ ዘቐመጥናዮ እዋን ክንዛዝሞን ኢና ኢሎም ።

ኢትዮጵያ ምስ ዝኾነ ይኹን ወገን ንምልዛብ ቅርብቲ እያ ዝበሉ ኣቶ ንጉሱ ጥላሁን ኢትዮጵያ ምምላእ ናይቲ ግድብ ንምፅናሕ ተሰማሚዓ ዝብል ካብ ግብፂ ተወሂቡ ዝብሃል ዘሎ ኣብቲ ልዝብ ዘይነበረን አድላይ ዘይኮነ መግለፅታት ካብ ምሃብ ምቑጣብ ንዝብልን ስምምዕ ዝጠሓሰ እዩ ከምኡ ዝብል ኣጀንዳ ይኹን ስምምዕ ኣይነብረን ኢሎም።

ነቲ ጉዳይ ናብ ሕቡራት ሃገራት ይኹን ናብ ዋሽንግተን ኣይኸይድን ማለት ድዩ ተባሂሎም ዝተሓተቱ ኣቶ ንጉሱ ጥላሁን እቲ ጉዳይ ብኣፍሪቃዊን ምትሓዙን ኣብዚ ክውዳእን ዝብል መግለፂ ብሕብረት ኣፍሪቃ ንሕቡራት ሃገራት ክግለፅ ኣብ ስምምዕ ተበፂሑ ኣሎ ኢሎም።

XS
SM
MD
LG