ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ተለኣኣኺ መንግስቲ ኣይጣየሽን' ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ


ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ወፃኢ ሓይሊ ተለኣኣኺ ዝኾነ መንግስቲ ክጣየሽ ኣይኽእልን ኢሎም ቀዳማይ ምንስቴር ኣብይ ኣሕመድ።ህወሓት ኣብቶም ዝሓለፉ ሰላሳ ዓመታት ኣብ ዝተፈላለዩ ዓለምለኸ ትካላት ዝተኸሎም ካድራቱ ንዓለምለኸ ማሕበረሰብ እናታለሉ እዮም ክብሉ ከሲሶም።ኢትዮጵያ ትብተን እያ ዝብል ጥርጣረ ከምዘይብሎም እውን ኣፍሊጦም።

ቀዳማይ ምንስቴር ኣብይ ብቕድሚ ትማሊ ሰሉስ ንቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ መብርሂ ኣብ ዝሃቡሉ እዋን ማሕበረሰብ ዓለም መብዛሕቲኦም ዝወረደና በደል እናፈለጡ ክኽሕዱ ይደልዩ ኢሎም።’’ኣብ ሓደ ማዕልቲ ኣብ ውሽጢ ትግራይ ኣብ 200 ቦታ ኣብ ሓደ ግዜ እቲ ጁንታ ኣብ ልዕሊ ሰሜን እዚ መጥቓዕቲ ፈፂሙ’’ ኢሎም።

ቀዳማይ ምንስቴር ኣብይ ናይ ግዜ ጉዳይ ተዘይኮይኑ ኣብቲ ኵናት ይኹን ኣብ ፕረፖጋንዳ ሓቂ ስዒሩ ኣሎ ኢሎም።

ህወሓት ናይ ፕሮፓጋንዳ መድረኽዝ ተቖፃፀሮ ‘’ህወሓት በብትካላቱ ኣምነስቲ በሉዎ፣UN በሉዎ ምናምን በሉዎ ኣብ ኤጀንሲታት ዘለው ኢትዮጵያዊያን መብዛሕቲኦም ናይ ህወሓት ካድረ ቤተሰብ ኣካል እዮም’’ ኢሎም።

ብምሕዝነትን ብሓቅነትን ጠጠው ዝበሉ ናይ ወፃኢ መሓዙት ኣለና ዝበሉ ቀዳማይ ምንስቴር ካልኦት ‘’ኢድ ንምጥምዛዝ ዝፍትኑ እውን ኣለው’’ ኢሎም።’’ካልኦት ሓይልታት ክትርድኡዎ ዝደልየኩም ብረብሓን ክብርን ኢትዮጵያ እንተድኣ መፂእኹም ግን ዋላ ክሳደይ ይሰየፍ እምበር ኣይኸውንን’’ ኢሎም።

ዝርዝሩ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

'ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ተለኣኣኺ መንግስቲ ኣይጣየሽን' ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:36 0:00


XS
SM
MD
LG