ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ: መንግስቲ ድሕሪ ሕጂ ሃገር ንምፍራስ ንዝሰርሕ ኣካል ትዕግስቲ ከምዘይህልዎ ተገሊጹ


ኢትዮጵያ ካብ ቅልውላው ንምድሓን ብዘኽእል መልክዑ ምምሕዳራዊ፥ወታሃደራዊን ፖለቲካውን ውሳነታት ዝህብ ብቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ ኮሚቴ ተጣይሹ ይስራሕ ከምዘሎ ቤት ፅሕፈት ቀ/ሚንስትር ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ሓላፊ ፕሬስ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚንስትር ኣቶ ንጉሱ ጥላሁን ንሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ኣብዝሃብዎ መግለፂ ቀ/ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ሎሚ ዓርቢ ምስ ላዕለዎት ሓላፍቲ ክፍሊ ፀጥታ፣ፍትሕን ምስ ዝምልከቶም ሰበስልጣን ክልልን ኣብ ዘካየድዎ ምይይጥ ኣብዚ ሰሙን ዝተፈጥረ ኩነታት ገምጊሞም ኣለው ኢሎም።

ኣቶ ንጉሱ ጥላሁን ወሲኾም መንግስቲ ድሕሪ ሎሚ ናይታ ሃገር ሰላም፣ ፀጥታን ምርግጋእን ዝህውኽ፣ህልውና ኢትዮጵያ ኣብ ሓደጋ ዘውድቕን ናይ ህዝቢ ደሕንነት ኣብ ስግኣት ዘእቱን ሃገር ንምፍራስ ዝሰርሕን ንዝኾነ ይኹን ኣካል ትዕግስቲ ከምዘይህልዎ ተወሲኑ ኣሎ ኢሎም ።

ኣብ ምብራቕ ኦሮሚያ ብሞት ሃጫሉ ብዝተላዓለ ተቓውሞ ብርክት ዝበሉ ሰባት ብሓይልታት ፀጥታ ይእሰሩ ከምዘለው ተፈሊጡ ኣሎ።ኣብ ዞባታት ምብራቕን ምዕራብን ሃረርጌ ኣስታት 13 ሰባት ከምዝተቐተሉ ተሓቢሩ ኣሎ።

ነበርቲ ሃሮማያ፣ድሬዳዋን ጭሮን ከምዝገለፁዎ ኣብቶም ዝሓለፍ መዓልታት ዝተላዓለ ተቓውሞ ብምቕፃል ብዙሓት መናእሰይ ይእሰሩ ከምዘለው ንሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ገሊፆም።ሓደ ነባሪ ሃሮማያ ሎሚ እውን ሓይልታት ፀጥታ ብዝወሰዱዎ ስጉምቲ ህይወት ጠፊኡ ኣሎ ኢሎም።

‘’ሎሚ ንጉሆ ሓይልታት ፀጥታ ንነበርቲ ይቕጥቅጡ ነይሮም፤ኣብ ገንደ ቆሬ ብዝወረዶማህረምቲ ሓደ ገባር ህይወቱ ሓሊፉ ኣሎ’’ ነቲ ቕትለት ዝፈፀሙ'ውን ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ እዮም ኢሎም ።

ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ኣብ ምብራቕ ሃረርጌ እንተወሓደ 9 ሰባት ብሓይልታት ፀጥታ ተቐቲሎምን ብዙሓት ድማ ተኣሲሮም ዝበሉ ድምጺ ኣሜሪካ ዘዘራረቦም ነባሪ: ኣብ ድሬዳዋ እውን ኣብቶም ዝሓለፉ መዓልታት ህይወት ሰብ ምጥፍኡ ብዙሓት ድማኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም ሓደ ነባሪ ንክፍሊ ኣፋን ኦሮሞ ድምጺ ኣሜሪካ ገሊጹ ።ብፍላይ ኣብ ቀበሌ 04 ካብ 10 ንላዕሊ መናእሰይ ምእሳሮም ሓቢሩ።

ኣብ ምዕራብ ሃረርጌ እውን ሓይልታት ፀጥታ ዝሓለፈ ሰሉስ ኣብ ዝተኻየደ ሰልፊ ብዝወሰዱዎ ስጉምቲ ልዕሊ 36 ሰባት መጥቓዕቲ ወሪዱዎም ካብ መንጉኦም እቶም 5 ሽዑ ንሽዑ ህይወቶም ከምዝሓለፈ እቶም ነበርቲ ሓቢሮም።

ኣብ ከተማ ኣወዳይ እውን 4 ሰባት ከምዝተቐተሉ ተዛሪቦም።ናይታ ከተማ ከንቲባ ወይዘሮ ንሂማ ሙሳ ግን ክልተ ሰባት እዮም ዝተቐትሉ ኢለን።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፀጥታ ምብራቕ ሃረርጌ ዝኾኑ ኣቶ ኣሕመድ ነጂ ኣቡበክር በቲ ተቓውሞ ህይወት ሰብ ሓዊሱ ጉድኣት ወሪዱ ኣሎ ኢሎም።ብዝሖም ዘይተፈልጠ ሰባት እውን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም ሓቢሮም። ንሶም ወሲኾም ኣብቲ ዞባ ዝተፈፀመ ቕትለት ዘፃሪ ኮሚቴ ተጣይሹ ናይ ምፅራይ ስራሕ ጀሚሩ ኣሎ እውን ኢሎም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ብሞት ሃጫሉ ሁንዴሳ ስነስርዓት ምውላዕ ሽምዓ፣ ዝኽሪን ናይ ተቓውሞ ሰልፍታትን ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኣሜሪካ፣ ካናዳን፣ብሪጣንያን፣ጀርመን፣ስዊድንን ኔዘርላንድን ንሳልሳይ መዓልቲ ከምዝቐፀለ ተፈሊጡ። ትማሊ ምሽት ኣብ ሚነሶታ ዝተኻየደ ግን እቲ ዝዓበየ እዩ ተባሂሉ ኣሎ። ኣብቲ ስነስርዓት ናይታ ክፍለ ግዝኣት ኣማሓዳሪን ከንቲባታትን ሓዘኖምን ደገፎምን ገሊፆም።

ብኻልእ ዜና ዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረዝ ቅትለት ሃጫሉ ሁንዴሳ ስዒቡ ኣብ ኢትዮጵያ ይምዕብል ዘሎ ኩነታት ብቐረባ ይከታተሉዎም ከምዘለው ወሃቢ ቃሎም ስቴፈን ዱጃሪክ ገሊፆም።

ንስድራ ሃጫሉን ኣብቲ ዕግርግር ህይወቶም ዝስኣኑን ሓዘኖም ገሊፆም ኣለው። መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቶም ገበነኛታት ብቕልጡፍ ናብ ሕጊ ንምቕራብ ዘርኣዮ ድልውነት ብሓጎስ ተቐቢሎምዎ ኣለው።

ኩሎም ወገናት ነቲ ወጥሪ ካብ ዘጎሃህር ስጉምቲ ክዕቀቡን ህድኣት ክዓስልን እቶም ዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራት ፀዊዖም ኣለው።

XS
SM
MD
LG