ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ኢትዮጵያ እኹል ቀረብ ስርናይ ከም ዘፍረየ ገሊጹ


መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብታ ሃገር ዝፈረየ እኽሊ ስርናይ ንውሽጣዊ ጠለባት ዘማልእን ንናይ ደገ ተጸባይነት ዘጉድልን ምዃኑ ገሊጹ።

ካብ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ዝወጽአ መግለጺ ከም ዘመልክቶ፡ ኢትዮጵያ ዓመታዊ ንመግዝኢ ስርናይ ኣስታት ሓደ ቢልዮን ዶላር ተውጽእ ምንባራ ብምጥቃስ፡ ሎሚ ግን እዚ ወጻኢታት ክድሕን ከም ዝኽእል ኣመልኪቱ።

እንተዀነ መግለጺ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ከም ዝሕብሮ፡ እኹል ስርናይ ፈርዩ ማለት ካብ ደገ ዝኣቱ ጠለብ እኽሊ ስርናይ ክእለ ማለት ኣይኰነን። ገለ ሓገዝቲ ሃገራት ንዘቕርበኦ ሓገዝ ናይ ደገ ፍርያት ስለ ዝመርጻ እቲ መስርሕ’ቲ ክቕጽል ምዃኑ እቲ መግለጺ ይሕብር።

ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ነዚ መግለጺ ዝሃበ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣመሪካ ደው ኣብ ዝበለሉ እዋን’ዩ።

ቅጥዒ

Recommended

XS
SM
MD
LG