ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ግንባር ሓርነት ኦጋዴን ንሰራሕተኛታት WFP ካብ ማሕቡስ መንግስቲ ኣውጺአ ኢሉ


ወሃቢ ቓል-መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን፡ ግንባር ሓርነት ኦጋደን ዝብሎ ዘሎ ምህዞ`ዩ፡ መጥቃዕቲ ከይፈጸመ ኸሎ`ዩ ተሃሪሙ ይብል

ኣብ ግንባር ሓርነት ኦጋዴን ምኽትል ሓላፊ ጉዳያት ወጻኢ ሓሰን ዓብዱላሂ፡ ንኸተማ ገላልሾ ኣብ ዝተቖጻጸርናሉ እዋን፡ ብዙሓት ወተሃደራት መንግስቲ ቐቲልና ዝተረፉ ናብ ባብሌ ሃዲሞም፡ ብርክት ዝበለ ኣጽዋራትን ናይ ሬድዮ መራኸብታትን ማሪኽና ኣለና ኢሎም።

ወሃቢ-ቓል መንግስቲ ኢትዮጵያ ሽመልስ ከማል፡ ኣብ ዝሃብዎ መላሽ “ትማሊ ኣብ ከባቢ ኸተማ ገላልሾ፡ ኣብ ወረዳ ፊቕ ፡ዕጡቕ ጉጅለ ONLF መጥቃዕቲ ክፍኑ ኣብ ዝቀራረበሉ ዝነበረ እዋን፡ ብኸባቢያዊ ምልሻን ፍሉይ ሓይሊ ፖሊስን ተጠቒዑ`ዩ” ኢሎም።

በዓል ስልጣን ONLF ፡ “ተሰዊሮም ዝነበሩ 2ተ ሰራሕተኛታት ፕሮግራም መግቢ ዓለም ካብ መንጎ`ቶም በቲ መጥቃዕቲ ሓራ ዘውጻእናዮም እሱራት ኮይኖም ጸኒሖም” ኢሎም። ወሃቢ-ቓል መንግስቲ ኣቶ ሽመልስ ከማል ነዚ ምህዞ`ዩ ክብልዎ ኸለዉ፡ ኣቶ ሓሰን ዓብዱላሂ ድማ፡ ገለላተኛ ወገን ከጻርዮ ይኽእል`ዩ ኢሎም ኣለዉ።

ምሉእ መደብ ንምስማዕ ኣብ`ዚ ምልክት ድምጺ ጠውቑ፡

XS
SM
MD
LG