ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዋሕዚ ስደተኛታት ደቡብ ሱዳን ኣተሓሳሲቡኒ ኢሉ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም


በዝሒ ይኹን ኩነታት ናብ ኢትዮጵያ ኣብ ምውሓዝ ዝርከቡ ስደተኛታት ደቡብ ሱዳን ኣዝዩ ዘተሓሳስብ እዩ ኢሎም ኣብ ኢትዮጵያ ዳይረክተር ፕሮግራም ምግቢ ዓለም።

ኣብ ኢትዮጵያ ዳይረክተር ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ዓብዱ ዲያንግ ሎማዕንቲ ረቡዕ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ብዛዕባ ግዙፍ ዋሕዚ ስደተኛታት ደቡብ ሱዳንን ስግኣት ትካሎምን ገሊፆም ።ካብ ታሕሳስ ጀሚሩ ኣስታት 140 ሽሕ ደቡብ ሱዳናዊያን ናብ ኢትዮጵያ ኣትዮም ኣለው ምስበሉ ኣስዒቦም ‘’ፅቡቕ ኣቀባብላ ተገይሩሎም ኣሎ፤ንፅቡቕ ኣቀባብል ስደተኛታት ድማ ንመንግስቲ ክነመስግኖ ንደሊ’’ኢሎም።

ዋሒዝ ስደተኛታት ከምዘደንገፆም ዝገለፁ ዓብዱ ዲያንግ ድልየት ስድተኛታት ንምላእ ኣብ ዓመት120 ሚሊዮን ዶላር ከምዘድሊ ብምሕባር ኣብ ኢዶም ዘሎ ግን ካሳብ ዝቕፅል ነሓሰ ጥራሕ ዝኸውን እዩ ኢሎም።እቲ ዘሎ ሕፅረት ንዓለምለኸ ማሕብረሰብ ከምዘፍለጡ እውን ገሊፆም።
ናብ ክልል ጋምቤል ብኣካል ብምኻድ ንስድተኛታት ከምዝርኣዩን መብዛሕቲኦም ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ምዃኖምን ሓቢሮም።

ኣብ ደቡብ ሱዳን ኩነታት እንድሕር ዘይተመሓይሹ ናብ ኢትዮጵያ ዝኣትው ስደተኛታት ብምኽንያት ግጭት ጥራሕ ከይኮነስ ብምኽንያት ዓፀቦ እውን ክኸውን ከምዝኽእል ብምሕባር እቲ ዋሕዚ ብዝለዓለ ደረጃ ከይውስኽ ዘለዎም ስግኣት ገሊፆም።

ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ ንዝርከቡ ስድተኛታት ምሕጋዝ ጥራሕ ከይኮነስ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈላለዪ ናይ ረድኤትን ናይ ልምዓት ስራሕትን እውን እናሓገዘ እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት በቲ ትካል ንሓሙሽተ ሚሊዮን ሰባት ረድኤት ከምዝሃበ ዘዘኻኸሩ ዓብዱ ዲያንግ ኣብ ዕለታዊ ረድኤት ግን ኣወንታዊ ለውጢ ከምዘሎ ኣብሪሆም።

ምስ ዝሓለፈ እዋን ክነፃፀር ከሎ ሎሚ ክሳብ ክልተ ሚሊዮን ዝኾኑ ሰባት ጥራሕ እዮም ዕለታዊ ረድኤት ዝረኽቡ ዘለው።ኣዝዩ ኣወንታዊ ምዕባለ ተራኢዩ’ሎ፤ኢትዮጵያዊያን ንዓርሶም ክኽእሉ ተስፋ ኣለና ኢሎም ንሶም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ መብዛሕቲኦም ዜጋታት ሱማሊያ፣ደቡብ ሱዳንን ኤርትራን ዝኾኑ ልዕሊ ፍርቂ ሚሊዮን ስደተኛታት ከምዝርከቡ ሓቢሮም ኣብ ኢትዮጵያ ዳይረክተር ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ኣብዱ ደንግ።
XS
SM
MD
LG