ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ዞባ ምዕራብ ሸዋ ብዘጋጠመ መጥቃዕቲ 12 ሰባት ምሟቶም ነበርቲ ሓቢሮም


ክልል ኦሮምያ 
ክልል ኦሮምያ 

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኦሮምያ ዞባ ምዕራብ ሸዋ ወረዳ የስልክ ኣምባ ዝተባህለ ቦታ ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ 12 ሰባት ከም ዝተቀትሉ ነበርቲ ገሊጾም።

ንድሕንነቶም ብምስጋእ ኣስማቶም ክዕቀበሎም ዝሓተቱ ነበርቲ የስልክ ኣምባ መብዛሕትኦም እቶም ዝተቀትሉ ተወላዶ ብሄር ኣምሓራ እዮም ክብሉ ድምጺ ኣመሪካ ሓቢሮም። ፈጸምቲ ቅትለት ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ምዃኖም እቶም መሰኻኽር ይገልጹ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ ዕጡቓት ነቲ ዝነብርሉ ከባቢ ሓዊሱ ኣብ ሓሙሽተ ቀበሌታት መጥቃዕቲ ምፍጻሞም እቶም ነበርቲ ተዛሪቦም'ለዉ።

ኣብ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ሓላፊ ጨንፈር ጅማ ኣቶ በዳሳ ለሜሳ ብዛዕባ እቲ ተፈጺሙ ዝተባህለ መጥቃዕቲ ሓበሬታ ከም ዝበጽሖም ገሊጾም።

ሓይልታት ጸጥታ ናብቲ ከባቢ ምስ በጽሑ እቲ ኩነታት ንግዚኡ ዝተረጋገአ ከም ዝመስል ዝተዛረቡ ነበርቲ ሕጂ እውን ስለ ንሰግእ መንግስቲ ሓለዋ ይግበረልና ኢሎም።

ድምጺ ኣመሪካ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ዝሓተቶም ሓለፍቲ ቤት ጽሕፈት ጸጥታ እቲ ከባቢ ምላሽ ንምሃብ ፍቃደኛታት ኣይኮኑን። ካብ ቤት ጽሕፈት ኮሚኒኬሽን ክልል ኦሮምያ ምላሽ ንምርካብ ዝተካየደ ፈተነ'ውን ኣይሰለጠን።

ኣብዚ ጉዳይ ብድምጺ ኣመሪካ መብርሂ ዝተሓተተ ወሃብ-ቃል ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ኦዳ ተርቢ፡ ሰራዊቶም ነቲ ቅትለት ፈጺሙ ኣይገበሮን ኢሉ። ንሱ ኣስዒቡ፡ “መንግስቲ ስዕረት ክወርዶ እንከሎ፡ ህዝቢ መታን ኣንጻር’ቲ ዕጡቕ ጕጅለ መርገጺ ክሕዝን ራዕዲ ክፈጥርን ንሲቪላውያን ዜጋታት ምቕታል ንቡር መስርሕ ገይሩዎ ኣሎ፡” ኢሉ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG