ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ከተማ ወልዲያ ንብረቶም ዝዓነዎምን ዝተዘርፉን እንታይ ይብሉ?


ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኣምሓራ ከተማ ወልዲያ ኣብ ሃይማኖታዊ ብዓል ጥምቀት ብሰንኪ ዝተልዓለ ግጭት ሸውዓተ ሰባት ከምዝተቐትሉን በዝሖም ዘይተፈልጠ ከምዝቖሰሉን መንግስቲ ገሊፁ’ሎ።ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ልዕሊ ንብረት ጉድኣት ከምዝወረደ ናይቲ ክልል መንግስቲ፣ተቓዋሚ ውድብ ሓድነት መላእ ኢትዮጵያን ነበርትን ገሊፆም ኣለው።ዝዓነወን ዝተወረረን ንብረት ናይ ተጋሩ ምዃኑ እውን ንብረቶም ዝዓነዎምን ዝተዘርፎምን ገሊፆምልና ኣለው።

ንብረቶም ንኽልተ ግዜ ዝዓነዎምን ኣቶ ሃይላይ ንጉሰ ወልደማሪያም ኣብታ ከተማ ን30 ዓመታት ከምዝነበሩ ይገልፁ።ጋንታታት ከተማ መቐለን ከተማ ወልዲያን ኣብ ዝተጋጠማሉ 24 ሓዳር 2010 ዓ/ም ብሰንኪ ዝተልዓለ ዕግርግር ሆቴሎም ከምዝዓነዎምን 3,000,000 ብር ዝግመት ንብረት ከምዝተዘረፉን ዝገለፁ ንሶም ኣብዚ ናይ ቅድሚ ሰለስተ ማዕልታት ብዝነበረ ህውከት ድማ መንበሪ ገዝኦም ከምዝተቓፀለ ይገልፁ።እቲ ዕግርግር ምስተልዓለ ሃዲሞም ከተማ መቐለ ከምዝኣተው እውን ሓቢሮም ኣለው።

መንግስቲ እቲ ህዝቢ እንታይ ይሓትት ከምዘሎ ክርዳእን ክምልስን ከምኡ እውን ንመናእይ ስራሕ ክፈጥርን ኣለዎ ይብሉ ኣቶ ሃይላይ።

ካሊእ መሸጢ ክዳን ሽቑ ከምዝተወረሮ ዝገልፅ እውን እንዳ እንፈልጦም ኣምሓሩ ተሓቢእና ንርከብ ይብል።

ዝርዝሩ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

please wait

No media source currently available

0:00 0:09:31 0:00

XS
SM
MD
LG