ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ቁጽሪ ህጹጽ ረድኤት ዘድልዮም ሰባት ይውስኽ ኣሎ ተባሂሉ


ኣብ ኢትዮጵያ ቁጽሪ ህጹጽ ሓገዝ መግቢ ዘድልዮም ሰባት ይውስኽ ስለዘሎ ተወሳኺ 88 ሚሊዮን ዶላር ረድኤት ዝመደበ መንግስቲ ዩናይትድ ስቴትስ ሓገዙ ከምዝቕጽል ኣብ ናይ ኣሜሪካ ዓለምለኸ ትካል ልምዓት ዳይረክተር ቤት ጽሕፈት ናይ ወጻኢ ሓደጋ ጀረሚ ካናንዳይክ ገሊጾም።

ዳይረክተር ጀረሚ ካናንዳይክ ተወሳኺ ሓገዝ ንምሃብ ዝወሰንሉ ምኽንያት ከምዚ ክብሉ ይገልጹ።

'ንኢትዮጵያ ተወሳኺ 88 ሚሊዮን ዶላር ሓገዝ ንምልጋስ ኣብ ቀረባ ዝወሰናሉ ምኽንያት ዝውስኽ ዘሎ ሕጽረት ውሕስነት መግቢ እዩ።መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ 2016 ዓ.ም.ፈ ዘድልዮ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ዘቕረቦ ሕቶ 10.2 ሚሊዮን ሰባት ተወሳኺ ረድኤት ከምዘድልዮ ኣፍሊጡ’ሎ።'

ኣቀዲሙ ልዕሊ ሸሞንተ ሚሊዮን ሰባት ብሴፍት ኔት ብቀዋሚነት ክሕገዙ ከምዝጸንሑ ዝገለጹ ካናንዳይክ ምስቲ 10.2 ሚሊዮን ሓዊሱ ኣብ 2016 ዓ.ም.ፈ ቁጽሪ ህጹጽ ሓገዝ ዘድልዮም ኢትዮጵያዊያን ኣስታት 18 ሚሊዮን ምዃኖም ሓቢሮም።

መጠን ተሓገዝቲ ንቕድሚት እናነጸረ ምስ ዝኸይድን መንግስቲ ዩናይትድ ስቴትስ ዝህቦ ተወሳኺ ሓገዝ ክህልው ይኽእል እዩ፤ኣብ እዋኑ ከንፍልጥ ኢና ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ አብዚ ምስማዕ ይኸአል።

ኣብ ኢትዮጵያ ቁጽሪ ህጹጽ ረድኤት ዘድልዮም ሰባት ይውስኽ ኣሎ ተባሂሉ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:47 0:00

XS
SM
MD
LG