ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

USAID ንዘፈር ጥዕና ኢትዮጵያ ዝሃቦ ሓገዝ ንህይወት ኣሽሓት ህፃናት ኣድሒኑ ተባሂሉ


ሓላፊ እቲ ትካል ኣብቶም ፕሮግራማት እምነት ኣሕዲረ ኣለኹ ይብሉ

ንዘፈር ጥዕና ኢትዮጵያ ዝውሃብ ናይ ልምዓት ሓገዝ ኣብቶም ዝሓለፈፉ ዓመታት ንኣሽሓት ህፃውንቲ ካብ ሞት ከምዘድሐነ ሓደ ላዕለዋይ ብዓል ስልጣን ረድኤት ዩናይትድ ስቴትስ ኣፍሊጦም።እቲ ምዕባለ ዝርአ ዘሎ ቀርኒ ኣፍሪካ ኣብ ውሽጢ ፍርቂ ክፈለ ዘመን እቲ ዝኸፍአ ድርቂ ኣጋጢሙዎ ኣብዝተብሃለሉ እዋን እዩ።

ኣማሓዳሪ ትካል ዓለምለኸ ልምዓት ዩናይትድ ስቴትስ USIAD ራጂቭ ሻህ ሓደ ዓመት ኣብዘይመልአ እዋን ንኻልእይ ግዜ ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ዝፍፅሙ ዘለው ካብ ድርቅን ሓደጋን ንምውፃእ ዓሊሞም ይስርሑ ኣብዘለው ፕሮግራማት እምነት ስለዝሓደሮም ምዃኑ ገሊፆም።መብዛሕቲኦም ኢትዮጵያዊያን ኣብ ዝነብሩሎም ናይ ገጠር ከባቢታት ቁፅሪ ትካላት ጥዕና ብተዓፃፃፊ ክውስኹ ዝተገብረ ሓገዝ’ውን ሓቢሮም።

ንዓመታት ተሓባቢርና ሳላ ዝሰራሕና ህይወት 36 ሽሕ ኢትዮጵያዊያን ህፃውንቲ ዘድሐነ ሓገዝ ገይርና ዝበሉ እቶም ሓላፊ ‘’ከምዚ ዝዓይነቶም ሰፋሕቲ ውፅኢታት ምዕብልትንትን ዕውቲን መፃኢት ኢትዮጵያ ንምርኣይ መሰረት ዘንብር ተስፋ እዩ።’’

ኢትዮጵያ ካብ ሃገራት ኣፍሪካ እታ ድኻን ብድርቂ እትጥቃዕን ሃገር እያ።እንተኾነ ኣብ ብርክት ዝበሉ ዘፈራት ኣወንታዊ ለውጥታት ይርአዩ ከምዘለው ሓዱሽ ዝተኻየደ መፅናዕቲ ይሕብር።ኣብ ኣተዓባብያ ሽግር ዘጋጥሞም ህፃውንቲ ኣብ 2000 ኣ/ፈ 58 ሚእታዊ ዝነበረ ናብ 44 ሚእታዊ ወሪዱ’ሎ።

ቅድሚ 20 ዓመታት ካብ ሓሙሽተ ህፃውንቲ እቲ ሓደ ሓሙሽተ ዓመት ከይመልኦ ይሞት ነይሩ።ሎሚ ግን ካብ 11 ህፃውንቲ እቶም 10 ሓምሻይ ናይ ልደት ዓመቶም የኽብሩ ኣለው።ሓላፊ USIAD ሻህ እቲ ዝተረኸበ ውፅኢት ኢትዮጵያ ናይ ረድኤት ገንዘብ ውፅኢታዊ ብዝኾነ ኣገባብ ትጥቀመሉ ስለዘላ እዩ ይብሉ።

ኣብ ሽግር ዝርከብ ዘፈር ትምህርቲ ኢትዮጵያ ዝተርአየ ምምሓይሽ ንእሽተይ እዩ ብመሰረት እቲ መፅናዕቲ።ኢትዮጵያ ኣብቶም ዝቕፅሉ ሓሙሽተ ዓመታት ቀዳማይ ቤት ትምህርቲ ንኹሉ ህፃን ንምብፃሕ ዝሓዘቶ ሸቶ በቲ ዝተትሓዘሉ ናህሪ ይኸይድ ኣሎ።

ዩናይትድ ስቴትስ እታ ዝዓበየት ንኢትዮጵያ ሓገዝ ትህብ ሃገር እያ።ኣብዝሓለፈ ዓመት ጥራሕ 425 ሚሊዮን ዶላር ንውሕስነት ምግብን ህፁፅ ፕሮግራም ረድኤትን፡400 ሚሊዮን ዶላር ንዘፈር ጥዕናን 20 ሚሊዮን ዶላር ድማ ንፕሮግራማት ትምህርትን ሓዊሱ ብድምር ዝሓገዘቶ ገንዘብ ናብ 900 ሚሊዮን ዶላር ዝፅጋዕ እዩ።

XS
SM
MD
LG