ዳይረክተር ፕሮግራም ዓለም-ለኸ ትካል ምዕባይ ቆልዑ ዝነበረ ኣሜሪካዊ፡ምስ ካልኦት ተሓባቢሩ ኣደናጋሪ ሰነዳት ንኣሜሪካ ኣቅሪቡን ንናይ ካልኦት ሃገራት ሰበ-ስልጣን ብጉቦ ሓባቢሉን፡ካብ ኢትዮጵያ ቆልዑ ንከምፅእ ከምዝሰርሐ ኣሚኑ።
ካብ 2008 – 2009 ኣቖፃፅራ ኣውሮጳ ይብል ተወላዳይ ኣትላንታ ጂኦርጅያ ዝኾነ ኣሜሪካዊ ጀምስ ሃርዲንግ፡ምስ ካልኦት ተሓባበርቱ ኮይኑ ናብ ምንስቴር ወፃኢ ኣሜሪካ መደናገሪ ሰነዳት ኣቅሪቦም፡ኣሜሪካውያን ስድራ-ቤት ካብ ኢትዮጵያ ንተዕብዮም ቆልዑ ንከምፅኡ ከምዝሓገዘ ይዛረብ።
ሃርዲንግ ኣብ ዝሃቦ ቃል እምነት፡ንቶም ኢትዮጵያዊያን ቆልዑ ቪዛ ንምሕታት ኣተሓሒዙ ካብ ሞንጎ ዘቅረቦም ሰነዳት ሓደ፡ንሱን መሻርኽቱን እቶም ይዝረበሎም ዘሎ ቆልዑ ግቡእ ክንክን ከምዘይረኸቡን ኣብ ሓደ ማእከል እጛለ-ሙታን ከምዘይነበሩን ዝጠቅስ መደናገሪ ሰነዳት ኣተሓሒዙ ከምዘቅረበን ሓቢሩ’ሎ።
ሃርዲንግ ኣብ ዝሃቦ ቃለ-ምስክርነት፡ኣብ’ቲ መስርሕ ምድንጋር ንክተሓባበርዎም ኢልም ንክልተ ሰበ-ስልጣን ኢትዮጵያ ጉቦ ከፊልና ኢና ይብል።ብፍላይ ይብል ንሱ፡ሓደ ኣብ መፅናዕቲ ድምፂን ሓደ ተቖፃሪ መንግስቲ ዝኾነ መምህር ቤ/ትምህርቲን፡ጥዕናዊን ማሕበራዊ ታሪኽን ዝምልከት ሓበሬታ ንክልግሱ ተባሂሉ ገንዘብን ካልእ ረብሓታትን ከምዝከፈልዎም ጠቂሱ።
ብተወሳኺ ይብል ሃርዲንግ፡ብተወሳኺ፡ንሱን መሻርኽቱን ኮይኖም ናብ ክልላዊ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ደቂ-ኣንስትዮን ህፃናትን ንዝተገብረ መገሻ ዝሓተቶ ወፃኢ ገንዘብ ኣበልን ሙሉእ ከምዝሸፈኑን ገሊፁ’ሎ።
ሃርዲንግ ገበን ከምዝፈፀመ ዝኣመነሉ ቃል ዝሃበ ኣብ ቅድሚ ዳኛ ቤት ፍርዲ ደቡብ ካሮላይና ዝኾኑ ፈራዲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ’ቲ ክፍለ-ግዝኣት ሶል ብላት’ዩ።ብይን ካልእ መዓልቲ ክዋሃቦ ቆፀራ ተዋሂቡ’ሎ።