ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተወሳኺ ማዕቀብ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ውዒሉ ሓዲሩ ዘይተርፍ'ዩ ኢሎም ኣምባሳደር ተቀዳ ኣለሙ

  • በትረ ስልጣን

UNSC

ምንጪ ረቀቅ ውሳነ ማዕቀብ - ኢጋድን ሕብረት ኣፍሪቃን ምኻኖም'ውን ገሊፆም

ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ንክንበር ዝተሓተተ ተወሳኺ ማዕቀብ፣ይውዓል ይሕደር‘ምበር ምውሳኑ ዘይተርፍ’ዩ ክብሉ ኣብ ሕ/መ ኣምባሳደር ኢትዮዽያ ዶ/ር ተቀዳ ኣለሙ ገሊፆም።ብዘይካ‘ዚ ናብ‘ቲ ቤት ምኽሪ ዝቀረበ ረቂቅ ውሳነ ማዕቀብ፣ብኢጋድን ሕብረት ኣፍሪቃን ዝተደገፈ‘ምበር ናይ ኢትዮዽያ ጥራሕ ኣይኮነን ኢሎም።

ብድሕሪ ምትግባር ማዕቀብ ኤርትራ ኢትዮዽያ ኣላ ንዝብል ክሲ ኤርትራ ሪኢቶኦም ዝሃቡ ዶ/ር ተቀዳ ኣለሙ ”ሓደ ነገር ክንርዳእ ዝግባኣና ነጥቢ፣ቃፊር ሕ/መ ወይካኣ ሞኒተሪንግ ግሩፕ ዘዳለዎ ሪፖርት ካብ ዝተዳለወሉ ጊዜ ጀሚሩ፣መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዝተፈላለየ መድረኽን ኣጋጣሚን ከንፀባርቆ ዝፀንሐ፣እቲ ምስሕሓብ ማዕቀብ ኣብ ሞንጎ ኤርትራን ኢትዮዽያን ጥራሕ ዘሎ ንክመስል‘ዩ ይሰርሕ ፀኒሑ” ይብሉ።

ኣምባሳደር ተቀዳ ወሲኾም፣መንግስቲ ኤርትራ ይፍፅሞ ኣሎ ንዝበልዎ ምንቅስቃስ ፈጠራ ራዕዲን ምህዋኽ እቲ ዞባን ትኹረት ትኹረት ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ዓለምን ንከይረክብ ይሰርሕ‘ዩ ዘሎ ኢሎም።ኢትዮዽያ‘ያ ነቲ ረቂቅ ኣዳልያቶ ኢልካ ዘረባ፣ንዓቅሚ ኢትዮዽያ ዘጋንን ንሃለዋት ካልኦት ሃገራት ድማ ዘነኣእስ‘ዩ ብሰበ-ስልጣን ኤርትራ ዝዝረብ ዘሎ ምስበሉ፣ንውልደት‘ቲ ረቂቅ ውሳነ ማዕቀብ ኣብሪሆም።ኢጋድን ሕብረት ኣፍሪቃን'ዮም ሰብ ዋና ይብሉ።

ትፅቢት ኢትዮዽያ እንታይ‘ዩ ኢልናዮም ”ኢትዮዽያ ኣባል ቤት ምኽሪ ፀጥታ ስለዘይኮነት፣እቲ ቤት ምኽሪ እንታይ ክገብር‘ዩ ንዝብል ሕቶ ክብሎ ዝኽእል ነገር የብለይን።ሓደ ነገር ክብሎ ዝደሊ ግና፣እቲ ውሳነ ውዒሉ ሓዲሩ ከምዝውሰን ዘጠራጥር ኣይኮነን” ኢሎም።

ኣብዚኣ'ሞ

ኣብዚኣ'ሞ! ብመሰረት ክወሃብ ዝጸንሐ ሓበሬታታት ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ሶማል ዝጸንሓ መርገጺ

እዚ ሳይንቲፊካዊ ዘይኮነ መዐቀኒ ህዝባዊ ርእይቶ፤ ንርእይቶ ወሃብቱ ጥራይ እዩ ዘመልክት

XS
SM
MD
LG