ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ ኣብ መዳይ ምጣነ ስድራ ፅቡቕ ውፅኢት ኣመዝጊባ ተባሂሉ



ካብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ጀሚሩ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ መዳይ ምጣነ ቤተሰብ ፅቡቕ ውፅኢት ከምዝተረኸበ ተገሊፁ።ሞት ኣዴታት ናይ ምንካይ ናይ ሚሊኒየም ሸቶ ንምዕዋት ግን ኣፀጋሚ እዩ ተባሂሉ’ሎ።
ኢትዮጵያ ኣብ ምብፃሕ ኣገልግሎት ምጣነ ስድራ ፅቡቕ ውፅኢት ከምዝረኸበት ምንስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያ ኣረጋጊፁ’ሎ።ካብ 2005 ኣ/ፈ ናብዚ ቁፅሪ ናይ ወሊድ መከላኸሊ ይወስዳ ናይ ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ ካብ 14.8 ሚእታዊ ናብ 29 ሚእታዊ ምድያቡ ተገሊፁ’ሎ።ኣብ 2005 ኣ/ፈ 5.4 ዝነበረ መጠን ወሊድ ኣብ 2011 ኣ/ፈ ናብ 4.8 ምውራዱ’ውን እቲ ምንስቴር ሓቢር’ሎ።
እዞም ውፅኢታት ዝተረኸቡ ኣብዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ብፍላይ ድማ ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ከምዝኾነ ዝተረኸብ መረዳእታ ይሕብር።
ናይዚ ምኽንያት ብዙሓት እዮም ይብሉ ዳይረክተር ሜላ ሪሰርች ፒ.ኤል.ሲ ዝተብሃለ ናይ ውልቂ ትካል ዶ/ር ያሬድ መኮነን።ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ቁፅሪ ነበርቲ ከተማታት ኢትዮጵያ ብሽዱሽተ ሚእታዊ ምውሳኹን ምስፍሕፋሕ ትምህርትን ካብቶም ምኽንያታት ምዃኖም ተገልፂፁ’ሎ።ልዕሊ ኩሉ ግን ናይ ጥዕና ኤክስተንሽን ዓብዪ ኣስተዋፅኦ ከምዝገበረ ዶ/ር ያሬድ መኮነን ይገልፁ።
እቲ ዝዓበየን ቀንድን ዝብሃል እቲ ናይ ጥዕና ኤክስተንሽን ፕሮግራም ኣብ ስራሕ ምውዓሉ እዩ ኢሎም ብምውሳኽ።
ሸቶታት ሚሊኒዮም ካብ ሰለስተ ዓመታት ዝነኣሰ ግዜ ከምዝተረፎን ኣብዚ እዋን እዚ ብዝለዓለ ደረጃ ብምንቅስቓስ ሞት ኣዴታት ንምንካይ ዝክኣል እንተኾነ’ውን እቲ ሸቶ ንምዕዋት ግን ኣፀጋሚ እዩ ኢሎም ዶ/ር ያሬድ።ብምውሳኽ ኣብ ምንካይ ሞት ህፃናትን ምስ ትምህርቲ ኣብዝተኣሳሰሩን ሸቶታት ክዕወቱ እዮም ኢሎም።
ምስፍሕፋሕ ኣገልግሎታት ምጣነ ስድራ ናይ ሎሚ ናይ ዓለም ስነ ህዝቢ ፀብፃብ ዋና መለእኽቲ እዩ።ምጣነ ስድራ ምስ ሰብኣዊ መሰላትን ምስ ቀፃሊ ልምዓትን የተኣሳስሮም።
XS
SM
MD
LG