ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ፤ 240-ሽሕ ተማሃሮ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ መልቀቒ ፈተና ከምዝወሃቦም ተገሊጹ


ኣብ ኢትዮጵያ ኣብዚ ዓመት 240 ሺሕ ተማሃሮ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ናይ ዩኒቨርሲቲ መውፅኢ ፈተና ከምዝፍተኑ ሚንስትሪ ትምህርቲ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

ወሃቢ ቃል እቲ ሚኒስትሪ ኣመለወርቅ እዝቅኤል ንድምፂ ኣመሪካ ከምዝገለፀኦ፣ ብመሰረት እቲ ኣብ ቀረባ ዝፀደቐ ሓዱሽ ፖሊሲ ትምህርቲ፣ ንተመረቕቲ ተማሃሮ ናይ ዩኒቨርሲቲ መውፅኢ ፈተና ንምሃብ ቅድመ ምድላዋት ኣብ ምዝዛም ይርከቡ። ኣብቲ ፈተነ ኣዕጋቢ ውጽ ኢት ዘይረኸቡ ተማሃሮ ድማ ደጋጊሞም ዝፍተንሉ ዕዱል ከምዝወሃቦም እውን ኣፍሊጠን።

ኣብዚ ጉዳይ ንድምፂ ኣመሪካ ርእይቶ ዝሃቡ መምህር ኣብ ጅማ ዩኒቨርሲቲ ዶ/ር ጌታቸው ጥላሁን፣ ንተማሃሮ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ናይ መውፅኢ ፈተና ምሃብ ጽፈት ትምህርቲ ንምምሕያሸ ሓጋዚ እዩ ኢሎም። እንተኾነ፣ እቲ ውሳነ ነቲ ብለበዳ ኮቪድ19፣ ብኲናትን፣ ብግጭትን ምትዕንቓፍ ክገጥሞ ዝጸንሐ ከይዲ ትምህርቲ ኣብ ግምት ዘእተወ ኣይኮነን ኢሎም።

በዚ ኩነታት ሓሊፎም ናብ ፈተና ዝቐርቡ ተምሃሮ ኣብ ውጥረት ክኣትዉ ይኽእሉ እዮም ዝበሉ እቶም በዓል ሙያ፣ ነቲ ፈተና ንምሃብ ናይ ቅድመ ምድላው ክፍተት እውን ከጋጥም ይኽእል እዩ ክብሉ ተዛሪቦም፡ ይብል ወኪልና ገብረሚካኤል ገብረምድህን ካብ ኣዲስ ኣበባ፥

XS
SM
MD
LG