ኣዲስ ኣበባ —
ኣብ ኢትዮጵያ በብጊዜኡ ዝረኣዩ ብዘለዉ በበይኖም ብረታዊ ጎንጽታት፡ ንሰፋሕቲ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላት ኣቃሊዖም፡ ንመድረኻት ሲቪካዊ ማሕበራት መራኸቢ ብዙሃንን የጽብብዎ ከም ዘለዉ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣመልኪቱ።
ዋና ኮሚሽነር እቲ ትካል ዶ/ር ዳንኤል በቀለ ሎሚ መበል 75 ዓመት ምእዋጅ ሓፈሻዊ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንምኽባር ኣብ ዝተዳለወ መድረኽ ዘተ ከም ዝገለጾ፣ ብሰንኪ ዝርኣዩ ዘለዉ ሰንሰለታውያን ጎንፅታት እቶም ኣብ 2010 ክርኣዩ ጀሚሮም ዝነበሩ ትስፍው መድረኻት እናጸበቡ ምምጻኦም ሓቢሩ።
ቅድም ክብል ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ብዝበረ ኲናት፣ ብዙሓት ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላት ከምዝተፈፀሙ ዘመልከተ ዶ/ር ዳንኤል፡ እቲ ፀገም ሕጂ እውን ይቕፅል ኣሎ ኢሉ።
ኣብቲ ዘተ ዝተሳተፉ ሰብ ሞያ ሚዲያን ሓለፍቲ ሲቪካዊ ማሕበራትን እውን ኣብ ኢትዮጵያ ማእሰርቲ ጋዜጠኛታት፡ ኣንቓሕቲ ሕብረተሰብን ከምኡ’ውን ተደጋጋሚ ክልከላታት መሓውራት ዜና ይርአ `ሎ ዝብል ሻቕሎቶም ብምግላፅ፡ ንዝሓሸ መድረኻትን ርሒብ ዕድላትን ፀዊዖም።
ቅጥዒ