ኣብ ዋዕላ ሕ/መ መደረ ትማሊ ዘስምዑ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስተር ወፃኢን ኢትዮዽያ አቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ ፣ ኣብ ልዕሊ ግብረ-ሸበራ ዝካየድ ውግእ ድርብ መቀዐኒ ይራኣይ‘ሎ ከምኡ እንተኾይኑ፣እቲ ውግእ ክዕወት ኣይኽእልን ኢሎም።

ኣፍሪቃን ማዕበልቲ ሃገራትን ኣብ ትሕቲ ግሎባላይዜሽን ተጎዲኤን‘የን ዝበሉ ምክትል ቀ/ሚን ምንስትር ጉዳያት ወፃኢን ኢትዮዽያ ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ፣ብሕልፊ ከምኢትዮዽያ ዝኣምሰላ ሃገራት፣ካብ‘ቲ ዝርከባሉ ብርኪ ድሕረት ንምውፃእ ንዝጀመረኦ ምግስጋስ ጎቲትዎ‘ዩ ኢሎም።

ኣብ‘ዚ እዋን‘ዚ ቀርኒ ኣፍሪቃ ፅንኩር ደርቂ ከምዘጓነፎ፣ ንህዝቢ ሶማል ንምሕጋዝ ድማ ዝያዳ ክንንቀሳቀስ ይግባእ ኢሎም። ኣስዒቦም፣

ኣብ‘ዚ እዋን’ዚ፣ኣል-ሸባብን ፅንፈኛታትን ካብ ሞቃዲሾ ተፀሪጎም ስለዝወፁ ክዕቀብ ዘለዎ ሰላም ናብ‘ታ ሃገር ተመሊሱ‘ሎ ኢሎም ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ።እግረ-መገዶም ዓቃቢ-ሰላም ናብ ሶማል ንዘዋፈራ ኡጋንዳን ቡሩንዲን ኣመስጊኖም።

ምንስቴር ወፃኢ ኢትዮዽያን ምክትል ቀ/ሚን ዝኾኑ ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ ናብ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕ/መ ኣብ ዘቅነዐ መደረኦም ድማ፣

”ንቤት ምኽሪ ፀጥታ ናብ ዝቀረበ ሕቶ ዝርዝራዊ ነጥቢታት ከይኣተኹ፣ ኢጋድ ወፍሪ ሶማል መእንታን ክዕወትን እቶም ብድሕሪት ኮይኖም ዝረድኡ ጥራሕ ዘይኮነ ኣብ ግብረ-ሸበራዊ ጥፍኣት ዝተዋፈሩ ንምቁፅፃርን፣ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሓላፍነቱ ክፍፅም ኣለዎ።ቤት ምኽሪ ፀጥታ ብመሰረት‘ቲ ባዕሉ ዘቆሞ ኣካል ዝቀረበሉ ሰነድ፣ስጉምቲ ክወስድ ይግባእ።ብግብሪ ዘይተሰነየ ጥዑም ዘረባ፣ቤት ምኽሪ ፀጥታ ንዝቀረበሉ መርመራዊ ሰነድ ከደናጉዮ ክፈቅድ የብሉን” ኢሎም እቶም ም/ቀ ሚ/ር።

አብ መወዳእታ ኸአ ኢጋድ ኣብ ባይቶ ሕ/መ ናይ ተዓዛባይ መንበር ንክረክብ ንዘቅርበኦ ሕቶ ኹለን መንግስታት ክድግፈኦ ብምሕታት አቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስተር ወፃኢን ኢትዮዽያ ንመበል 66 ጉባኤ ሕቡራት መንግስታት ዘቅረብዎ መደረ ዛዚሞም።

ናብ ምልክት ድምፂ ብምኻድ ስምዕዎ