ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

" ኢትዮጵያ ን2 ዓመታት ኣባል ቤት ምኽሪ ፀጥታ ዝኾነትሉ ብምኽንያት ፅቡቕ  ባህሪ ኣይኮነን" ምኽትል ዳይረክተር ህወማን ራይትስ ዎች


ጉጅለታት ተሐለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ዘይቐዋሚት ኣባል ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕቡራት መንግስታት ምዃና ኣብታ ሃገር ሰብኣዊ መሰላት ኣጀንዳ ክኸውን ይጥቀምሉ ኣለው።ኢትዮጵያ ፖለቲካዊ ተቓውሞ ትዕፍን ኣላ፤ጋዜጠኛታትን ፖለቲካዊ ተቐናቐንትን ትኣስር ኣላ ክብሉ ምስ ዝነቕፉዋ ጉጅለታት ሰብኣዊ መሰላት ሓርፋፍ ርክብ ኣለዋ።እታ ሃገር ካብ 2007 ኣ/ፈ ጀሚሩ ይፍፅሙ ኣለው ዝተብሃሉ መግሃስትታት ንምምርማር ናይ ሕቡራት መንግስታት ፍሉይ ራፓርተር ክኣትው ኣይፈቐደትን።

ኢትዮጵያ ንኽልተ ዓመታት ኣባል ቤት ምኽሪ ፀጥታ ዝኾነትሉ ብምኽንያት ፅቡቕ ባህሪ ከይኮነስ ፖለቲካዊ ሽልማት እዩ ኢለን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ምኽትል ዳይረክተር ህወማን ራይትስ ዎች።

ሰብኣዊ መሰላት ንክኽበር ከም እንቀሳቐሰ ትካል እዚ ኣጋጣሚ እዚ መንግስታት ክምረፁ ከለው ዝኣትውዎ መፅብዓ ኣቓልቦ ክረክብ ንጥቀመሉ ኢና ንደሊ ኢለን።

ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም እቲ ምርጫ ዘርእዮ እታ ሃገር ክብርን እምነትን ዓለም ከምዘለዋ እዩ ኢሎም።ግጭትም ኣንፃር ግብረሽበራን ጉዳያት ስደተን ኢትዮጵያ ቀዳምነት ካብ እትህቦም ጉዳያት እዮም ኢሎም ኣለው ዶ/ር ቴድሮስ።

ህይውማን ራይትስ ዎች ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ኢትዮጵያ ተፈፂሙ ብዛዕባ ዝበሎ መግሃስቲ ኣብ ዘውፅኦ ፀብፃብ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ልዕሊ 400 ሰላማዊ ሰልፈኛታት ብሓይልታት ፀጥታ መንግስቲ ተቐቲሎም ዓሰርተታት ኣሽሓት ድማ ተኣሲሮም ክብል ገሊፁ’ሎ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን ነቲ ስፍሓት ተቓውሞ ብምትሓት ሓይልታት ፀጥታ ንተግባራት ህውከት እዮም ግብረ መልሲ ሂቦም ይብል።

XS
SM
MD
LG