ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'ዓባይ ብሪጣንያ ንኢትዮጵያ ትልግሶ ዝነበረ ሓገዝ ምትዕርራይ'ያ ገይራትሉ' ኣምባ. ብርሃኑ ከበደ


ኣምባ. ብርሃኑ ከበደ
ኣምባ. ብርሃኑ ከበደ

እንግሊዝ ልዕሊ 300 ሚልዮን ዶላር (ካብ ኣፍሪቃ እቲ ዝገዘፈ ስግር ባሕሪ ሓገዝ እንግሊዝ’ዩ) ኣብ ዓመት ንኢትዮጵያ ከምትልግስ ገሊፆም ኣምባሳደር ብርሃኑ። ክልቲኤን ሃገራት ሓቢረን ዝሰርሓሉ መቃናት ንግዲን ኢንቨስትመንትን፣ኣብ ፖለቲካዊ መዳይ ድማ ዕቀባ ሰላምን ፀጥታን’ዮም።

“እንግሊዝን ኢትዮጵያን ኣብ ዞባና ሰላምን ህድኣትን ኣብ ምርግጋፅ ሓቢረን ይሰርሓ ከምዘለዋን እዚ ይኸውን ዘሎ ድማ ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪቃ ዋልታ-ሰላም ኮይና ስለዘላን ብተኸታታሊ ብምኽንያት ዝወሰደቶም ስጉምታት ብመንግስቲ እንግሊዝ እምነት ዘሕደረት ሃገር ክትኮን ሓጊዙ’ዩ” ኢሎም ኣምባሳደር ብርሃኑ።

ብዛዕባ DFID – PBS፣ መንግስቲ እንግሊዝ ምትዕርራይ ቅድሚ ምትግባሩ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተዘራሪቡ’ዶ? ኢልናዮም ‘ኩሉ-ሻዕ ምምኽኻር ኣሎ።ንዘራረብ’ ኢሎም።

ጉዳይ ኣቶ ኣንዳርጋቸው ፅጌ ንምክትታል ናብ ኢትዮጵያ ንክኣትው ቪዛ ንዝሓተቱ ኣባል ፓርላማ እንግሊዝ ድማ ኣብ መስርሕ ፍርዲን ፍትሒን ጣልቃ ምእታው ንዴሞክራሲያዊ ስርዓት ዝፃባእ’ዩ ኢሎም እቶም ኣምባሳደር።

please wait

No media source currently available

0:00 0:09:30 0:00

XS
SM
MD
LG