ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንኡጋንዳ 'ዝነቅፍ ትዊተር’ ምንስትር ኢትዮዽያ ኣሰሓሒቡ


Zenebu Tadese
Zenebu Tadese
ምንስትር ጉዳያት ደቂ-ኣነስትዮ፣ህፃናትን መናእሰይን ኢትዮዽያ ወ/ሮ ዘነቡ ታደሰ፣ብዛዕባ ኡጋንዳ ዘሕለፈቶ ሓድሽ ሕጊ ርክብ ተመሳሳሊ ፆታ፣ኣብ‘ዚ ቅነ‘ዚ ኣብ ትዊተረን ዝወፀ ፅሑፍ ብጨወይቲ ዝተፃሓፈ‘ምበር ናተይ እምነት ኣይኮነን ኢለን።

እተን ምንስትር ንፋና ኮርፖሬት ብሮድካስቲንግ ኣብ ዝሃበኦ ሪኢቶ ”ከምኡ ዝዓይነቱ መልእኽቲ ዘሕልፍ ባህርይ፣ስነ-ምግባርን ስብእናን የብለይን።እቲ መልእኽቲ‘ውን እንተኾነ ናተይ ይኹን ናይ መንግስቲ ኢትዮዽያ መርገፂ ኣይኮነን።ብጨወይቲ ትዊተር ዝተፃሓፈ‘ዩ” ኢለን።

”ቀዳማይ ናተይ መርገፂ ኣይኮነን።ከምኡ ዝበለ እምነት የብለይን።ሹመኛ መንግስቲ‘የ።ንሕገ መንግስቲ ዘኽብር ሰብ‘የ።ንሕገ-መንግስቲ ምኽባር ጥራይ ዘይኮነ ምትግባር‘ውን ግዴታይ‘ዩ።ብመንፅር‘ዚ ኣዝየ‘የ ጉህየ።ኣብ ትዊተረይ ከመይ ኢሉ እቲ ፅሑፍ ከምዝወፀ ኣይፈልጥን።ናይ ቴክኖሎጂ ፍልጠት እውን የብለይን።ከመይ ኢሉ‘ዩ ወፂኡ ዝብልዎ ሕቶ መልሲ የብለይን። ሓደ ዘረጋግፀልኩም ነገር እንተሃልዩ ግና፣ኣነ ኣይኮንኩን ኣውፂኤዮ፣መርገፂ መንግስቲ‘ውን ኣይኮነን።ናተይ መርገፂ‘ውን ኣይኮነን“ በላ ንሰን።

ነቲ ፅሑፍ ኣብ ትዊተር‘ተን ሚንስትር መን ከምዘውፀአ ንምንፃር መፃረዪ ቀፂሉ ኣሎ‘ውን ኢለን ወ/ሮ ዘነቡ ታደሰ።

ኣብ ትዊተር‘ተን ምንስትር፣እቲ ኣብ ኡጋንዳ ዝሓለፈን ንርክብ ክልተ ተመሳሳሊ ፆታ ዘለዎም ሰባት ዝምልከት ሓድሽ ሕጊ ዝቃረንን ዝነቅፍን መልእኽቲ ከምዝወፀ ፀብፃባት ይሕብሩ።

ብመሰረት ሓድሽ ሕጊ ኡጋንዳ፣ተመሳሳሊ ፆታ ዘለዎም ሰባት ዝፈጥርዎ ርክብ፣ካብ ዓሰርተ ሓሙሽተ ዓመት ክሳብ ሙሉእ ዕድመ ማእሰርቲ ዘቅፅዕ እዩ።
XS
SM
MD
LG