ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ክልል ኦሮምያ ክልተ ሲቪላዊያን ሓረስቶት ብዕጡቓት ምቕታሎም ነበርቲን ስድራን ገሊጾም


ኣብ ክልል ኦሮምያ፡ ዞባ ምዕራብ ጉጂ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ’ዮም ዝተባህሉ ዕጡቓት ንክልተ ሲቪላዊያን ሓረስቶት ምቕታሎም ኣባላት ስድራ ዝተቐትሉን ነበርቲ’ቲ ከባቢን ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሮም።

ተቐቲሎም ካብ ዝተባህሉ ሓደ ከብቶም ማይ ኣስትዮም ናብ ቤቶም ኣብ ዝምለስሉ ዝነበረ ምቕታሎም ነበርቲ'ቲ ከባቢ ይሕብሩ።

ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ሰላምን ጸጥታን ጎርካ ወረዳ ኣቶ ብሩክ ኣየለ ክልቲኦም ሰባት ብዕጡቓት ምቕታሎም ሓቢሮም ኣለው። ንሶም ወሲኾም ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ኣብቲ ከባቢ ዝንቀሳቀሱ ኣባላት ዕጡቓት ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ’ዮም ክብሉ ገሊጾም ።

ይኹን እንበር ኣብቲ ከባቢ ንዝፍጸም ቅትለት ዝኽሰስ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ወሃቢ ቃል ኣቶ ጅረኛ ጉዴታ እቲ ምንቅስቃስ ሲቪላዊያን ዒላማ ከምዘይገብር ብምግላጽ ነቲ ክሲ ኣሉታዊ ምላሽ ሂቦም ኣለዉ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG