ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተወሰኽቲ ሰራዊት ኢትዮጵያ ናብ ሶማልያ ሰጊሮም


ሰራዊት ኢትዮጵያ
ሰራዊት ኢትዮጵያ

ኣብ'ዘን ዝሓለፋ ክልተ መዓልታት ብርክት ዝበሉ ወትሃደራት ኢትዮጵያ ናብ ሶማልያ ከምዝሰገሩ ካብ ደቡብ ምዕራብ ሶማልያ ዝረኸብናዮ ዜና ገሊፁ።

ስለዝፈርሑ መንነትና ይተዓቀንበልና ዝበሉ እቶም ናይ ዓይኒ መሰኻኽር 'ከቢድ ኣፅዋርን ታንክታትን ዝተዓጥቁ ኣስታት 3 ሽሕ ወትሃደራት ኢትዮጵያ ኣብ ከባቢ ሉቅ ከምዝተራኣዩ' ገሊፆም።

ንቪኦኤ ሪኢቶ ዝሃቡ እቶም መሰኻኽር 'ኣብ'ቲ ከባቢ ምጥንኻር ሰራዊት ኣብ ልዕሊ ኣል-ሸባብ ዝቆፃፀሮም ከባቢታት ብሕልፊ ኣብ ልዕሊ ሓያል ዕርዲ'ቶም ምልሻታት ዝኾነት ከተማ ባርደሬ፣መጠነ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ንምፍናው ምቅርራባት ከምዝተዓዘቡ' ሓቢሮም።

ኣብ'ዚ እዋን ናብ ሶማልያ ዝሰገሩ ሓይልታት ኢትዮጵያ፣ኣካል ኣሚሶም (ዓቃቢ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ) እንተኾይኖም ንፁር ኣይኮነን።ሰራዊት ኢትዮጵያ ዛጊድ ኣብ ዞባታት ጌዶ፣በይ፣ባኩልን ጋልጋዶድን ከምዝርከቡ ዝፍለጥ'ዩ።

XS
SM
MD
LG