ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጠቓላሊ ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ሪኢዮት ኣለሙ ንዝተበየነ ፍርዲ ብኽፋል ስዒሩዎ


ሕዚ’ውን እንተኾነ ግን ናብ መጋባእያ ሰበር ሰማዒ ክትጠርዕ እያ

ሓደ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛ ሪኢዮተ ኣለሙ ንዝወሰኖ ፍርድን ቅፅዓትን ጠቕላሊ ቤት ፍርዲ ፌደራል ብኽፋል ስዒሩዎ።ሪኢዮተ ኣለሙን ኣቡኣን ብውሳነ እቲ ቤት ፍርዲ ሕጉሳት ኣይኮኑን፡ጥርዓኖም ናብ መጋባእያ ሰበር ሰማዒ ከምዝውስድዎ’ውን ወሲኖም ኣለው።

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌደራል ቅድሚ ኣዋርሕ ኣብ ልዕሊ ሪኢዮተ ኣለሙ ናይ 14 ዓመታት ፅኑዕ ማእሰርትን ናይ 33 ሽሕ ቕርሺ መቕፃዕትን ፈሪዱ ነይሩ።

ሪኢዮተ ኣለሙ ነቲ ፍርዲ ብምቅዋም ንፌደራል ጠቓላሊ ቤት ፍርዲ ብዘቕረበቶ ይግባይ እቲ ቤት ፍርዲ ነቲ ጉዳይ ኣፃሪዩ ሎማዕንቲ ዓርቢ ኣብዝሃቦ ውሳነ ዓቃቢ ሕጊ ኣብ ልዕሊኣ ካብዘቕረቦም ሰለስተ ክስታት ነቶም ክልተ ውዱቕ ብምግባር ብሓደ ጥራሕ ገበነኛ ኢሉዎ ኣሎ።

በዚ መሰረት ቅድም ክብል ኣብ ልዕሊኣ ዝተውሃበ ናይ 14 ዓመታት ፅኑዕ ማእሰርቲ ናብ ሓሙሽተ ዓመት ማእሰርቲ ኣትሒቱዎ ኣሎ።ወ/ሪት ሪኢዮተ ኣለሙ በቲ ውሳነ ከምዘይተሓጎሰት ወላዲኣ ኣቶ ኣለሙ ጌበቦ ንቪኦኤ ገሊፆም።

ሪኢዮት ኣለሙን ካልኦት ኣርባዕተ ሰባትን ዝተኸሰስሉሞ ናይ ገበን ተግባራት ንሕገ መንግስትን ሕገመንግስታዊ ስርዓትን ብሓይልን ብሽብርን ንምንጋዕን ንምፍራስን ብምንቅስቓስ፡ኣብ ናይ ሽብር ውድብ ብምስታፍን ንተግባር ሽብር ሓገዝ ብምሃብን ዝብሉ ነይሮም።እቲ ቤት ፍርዲ ኣብ ልዕሊ ሪኢዮት ኣለሙ ዘፅንዖ ውሳነ ንተጋብር ሽብር ሓገዝ ምሃብ ዝብል ገበን ጥራሕ እዩ።

ብዛዕባ እቲ ናይ ገንዘብ መቕፃዕቲ እቲ ጠቓላሊ ቤት ፍዲ ዝበሎ ነገር የለን።ብመሰረት ኣረዳድኣ ኣቶ ኣለሙ ግን እቲ ቤት ድርዲ ዝሃቦ ናይ ገንዘብ መቕፃዕቲ ውዱቕ ካብዝገበሮም ክልተ ገበናት በቲ ሓደ ስለዝነበረ እቲ ናይ ገንዘብ መቕፃዕቲ ድማ በዚ መሰረት ውዱቕ ኮይኑ ክብሃል ይኽእል እዩ ኢሎም።

ሎሚ’ውን እንተኾነ ጛሎም ዋላ ሓደ ተግባር ገበን ኣይፈፀመትን ኢሎም ኣቶ ኣለሙ።ስለዝኾነ ድማ እቲ ጉዳይ ናብ መጋባእያ ሰማዒ ሰበር ጥርዓን ከምዘቕርቡ ኣረጋጊፆም ኣለው።

XS
SM
MD
LG