ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ልዕሊ እኒ ኣንዱኣለም ኣራጌ ፅባሕ ሰሉስ ብይን ክውሃብ እዩ


ቤት ፍርዲ እቲ ብይን ንሎሚ ክበፅሕ ስለዘይክኣለ ንፅባሕ ቖፀሮ ሂቡ

ሳልሳይ መጋባእያ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌደራል ኣብ እኒ ኣቶ ኣንዱኣለም ኣራጌ መዝገብ ኽሲ ክህብ ሒዙዎ ዝነበረ ብይን ሎማዕንቲ’ውን ብቖፀራ ንፅባሕ ሰሉስ ኣመሓላሊፉዎ።

ቅድሚ ዓሰርተ ማዕልቲ ብይን ክረክብ እዩ ተባሂሉ ትፅቢት ይግበረሉ ዝነበረ ኣንዱኣለም ኣራጌን ካልኦት 23 ሰባት ዝሓዘ ናይ ኽሲ መዝገብ ናይ ዓቃቢ ሕጊ ምስክርነት ቃል ተፃሒፉ ናብ ቤት ፍርዲ ዘይምቕራቡ ከምዝነበረን ንሎማዕንቲ ሰኒ ብይን ከምዝህብ እቲ ቤት ፍርዲ ምግላፁን ይዝከር።

እቲ ሎማዕንቲ ብኣስታት ሓሙሽተ ሰዓታት ዘንጊዑ ዝጀመረ መጋባእያ ከምዝገለፆ እቲ ናይ ምስክራት ቃል ተጠቓሊሉ ናብቲ ቤት ፍርዲ እንተቐረበ’ውን እቲ ብይን ንሎሚ ክበፅሕ ስለዘይክኣለ ንፅባሕ ቖፀሮ ሂቡ።

ኣብቲ ናይ ሎማዕንቲ መጋባእያ ኣቶ ኣንዱኣለም ኣራጌ ሕዚ’ውን ከም ገበነኛታት ተቖፂሮም ብቴለቪዥን እናቐረበ ብዛዕባ ዝርከብ ፕሮግራም ኣብ ልዕሊ ተኸሰስቲ በደል እናተፈፀመ እዩ ክብሉ ጥርዓን ኣቕሪቦም።ቤት ፍርዲ ብይን ምስሃበ ዘለዎም ጥርዓኖም ብጠበቓኦም ኣቢሎም ብፅሑፍ ንከቕርቡ ኣዚዙ።

ኣብዚኣ'ሞ

ኣብዚኣ'ሞ! ጻዕሪ ሰላም ቤት መኽሪ ዓለም-ለኸ ኣብያተ ክርስትያናት ኣብ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን

እዚ ሳይንቲፊካዊ ዘይኮነ መዐቀኒ ህዝባዊ ርእይቶ፤ ንርእይቶ ወሃብቱ ጥራይ እዩ ዘመልክት

XS
SM
MD
LG