ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌደራል ኢትዮጵያ ንናይ ዓቃቢ ሕጊ መመሓየሺ ኽሲ ተቐቢሉ

እቶም ተኸሰስቲ ብስቕታ ይኹን ብኻሊእ ኣገላልፃ ነቲ ከይዲ እንተተቓወሙ’ውን ጥፍኣተኛታት ኣይኮናን ብዝብል እቲ ቤት ፍርዲ ናይ እምነት ክሕደት ቃሎም መዝጊቡ’ሎ።

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌደራል ሳልሳይ መጋባእያ ገበን ናይ ዓቃቢ ሕጊ ናይ ኽሲ መመሓየሺ ተቐቢሉ።ናይ ተኸሰስቲ ጠበቓታት ተቓውሞ’ውን ውዱቕ ገይሩዎ’ሎ።ናይ ዓቃቢ ሕጊ ምስክራት ንምስማዕ ድማ ተለዋጢ ቖፀሮ ሂቡ።

ኣብ ልዕሊ እኒ ኣንዱኣለም ኣራጌ ዓቃቢ ሕጊ ካብ መንጎ ዘቕረቦም ኽስታት ቀዳማይን ራብዓይን ኽስታት ንኽምሓየሽ እቲ ቤት ፍርዲ ዝሓለፈ ሰሙን ዝሃቦ ብይን ስዒቡ ሎማዕንቲ ዝተመሓየሸ ኽሲ ቐሪቡ።

እቶም ተኸሰስቲ ብስቕታ ይኹን ብኻሊእ ኣገላልፃ ነቲ ከይዲ እንተተቓወሙ’ውን ጥፍኣተኛታት ኣይኮናን ብዝብል እቲ ቤት ፍርዲ ናይ እምነት ክሕደት ቃሎም መዝጊቡ’ሎ።

እቲ ቤት ፍርዲ ንናይ ዓቃቢ ሕጊ ምስክራት ንምስማዕ ን16 ታሕሳስ 2004 ዓ/ም ቖፀሮ ሂቡ።

XS
SM
MD
LG