ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

9ተ ተቓወምቲ ውድባት ኢትዮጵያ፡ ህዝቢ ናዕቢ ንኸልዕል ዝጽውዕ ሓባራዊ ኣጀንዳ ኣውጺኦም


ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት ካብቲ ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ናዕቢ ዝወልዐ ኹነታት ዝኸፍአ`ዩ ይብል ኣቦመንበር ሓደ ዕጡቕ ወድብ

መሬት ንባዕዲ ምሻጥ ደው ይበል፡ ብመለስን ቤተሰቡን ዝግብስበስ ሃብቲ ህዝቢ ይመለስ ዝብል ነጥብታት ይርከቦ እቲ 9ተ ውድባት ዘውጽእኦ ናይ ሓባር መግለጺ።

ካብቶም ነቲ ስምምዕ ዘውጽኡ ውድባት፡ ዲሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ(ደምህት)ሓደ እዩ። ኣቦ መንበር ደምህት ኣቶ ሞላ ኣስገዶም ካብ ኤርትራ ንድምጺ ኣመሪካ ኣብዝሃቦ ቃለመጠይቕ፡ በቲ ከራኽበና ዝኽእል ናይ ሓባር ዕላማ ተረዳዲእና ነቲ ውሳነ ኣሕሊፍና`ለና ይብል።

ብፖሊቲካዊ ቃልሲ ጥራሕ ኣብ ኢትዮጵያ ለውጢ ክመጽእ ይኽእል`ዩ ኢልና ንሕና ከም ደምህት ኣይንኣምንን ኢና ዝበለ ኣቶ ሞላ፡ እቲ ኣብ ህዝቢ ዝወርድ ዘሎ በደልን ጭቆናን ከብቅዕ ግን ህዝቢ`ውን ባዕሉ ክዕምጽሞ ንሕና`ውን ኣብ ጎንኻ ኣለና ዝብል መልእኽቲ ኢና ነመሓላልፍ ዘለና በቲ ናይ ሓባር መረዳድኢ ዕላማ ኢሉ።

ነዚ ዓመጽ ንደፍእ ዘለና በቲ ዕጥቃዊ ቃልሲ ተስፋ ስለዝቖረጽና ዘይኮነስ፡ ነቲ ስርዓት ንምእላይ ከምቲ ኣብ ከባብና ንርእዮ ዘለና ዓመጽ ዝኣመሰለ ኣብ ኢትዮጵያ`ውን ንክልዓል`ዩ ብምባል የስምረሉ ኣቶ ሞላ ኣስገዶም-ኣቦ መንበር ደምህት።

ንምሉእ ትሕዝቶ ቃለመጠይቕ ኣብ ምልክት ድምጺ ጠውቑ፡

XS
SM
MD
LG