ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

አብ ኢትዮጵያ፡ ህዝቢ ከተማ ብዘት ብስእነት ፅሩይ ዝስተ ማይ ይሳቐ

  • ግርማይ ገብሩ

ማሕበር ልምዓት ብዘትን ከባቢኣን ካብ ጥቅምቲ 12 ክሳብ 14 ኣብ ዘሳለጦ ክብረ በዓል ኣብቲ ከባቢ ዝረአዩ ፀገማት ብኸመይ ይእለዩ ኣብ ዝብል ሰፊሕ ዘተ አኻይዱ’ዩ።

ህዝቢ ኣብቶም ዝሓለፉ እዋናት ኣልዒሉዎም ዝነበረን ካብኣቶም ዝተፈፀሙን ዘይተፈፀሙን ዕማማት ሓላፊ ልምዓት ከተማን ኢንዳስቱርን ወረዳ ጋንታ ኣፈሹም ኣይተ ኣታኽልቲ ተስፋይ ኣብ ዘቕረብዎ ፀብፃብ ስራሕ ብዝርዝር ተገሊፁ’ዩ።

ብመሰረት እዚ ኣብታ ከተማ ዘሎ ጣብያ ጥዕና ደረጅኡ ክመሓየሽ፣ፅሩይ ዝስተ ማይ ክማላእ፣ሕፅረት ሓይሊ መብራህቲ ክዕረ፣ቤት ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃን መሰናድኦን ነናይ ባዕሉ ኣወዳድባ ክህልዎ፣ተፋሰስ ርስሓት ከተማ ክስራሕ፣መስመር ኔትወርክ ብሮድ ባንድ ክጅምር፣ከምኡ'ውን መዋፈሪ መኻይንን መአከቢ ኣደራሽን ክህነፅ ህዝቢ ሓቲቱ ነይሩ።

እዚኦም ድማ ደረጃ ብደረጃ ይፍፀሙ ከምዘለዉን ንቐፃሊ ድማ ከምዝፍፀሙን ኣብቲ ፀብፃብ ቀሪቡ እዩ።

ምሉእ ትሕዝቶ ንምስማዕ አብዚ ይኸአል።

ኣብዚኣ'ሞ

ዚምባብወ ድሕሪ ሙጋበ ሕጂውን በቲ ገዛኢ ሰልፊ ምሕደርኣ ክቕጽል'ዩ። እዚ ኣብ'ታ ሃገር ዝተራእየ ለውጢ እምበኣር

እዚ ሳይንቲፊካዊ ዘይኮነ መዐቀኒ ህዝባዊ ርእይቶ፤ ንርእይቶ ወሃብቱ ጥራይ እዩ ዘመልክት

XS
SM
MD
LG