ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

አብ ኢትዮጵያ ክሊ ዓፋር ዝተጨወዩ 4ተ ሰባት ንምፍታሕ ብዓበይቲ ዓዲ'ቲ ከባቢ ፃዕሪ ይግበር ከም ዘሎ ተገሊፁ


አብ ኢትዮጵያ ክሊ ዓፋር ይበዕሑ ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ ቱሪስት ኣብ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ተጨውዮም ዝተወስዱ ኤውሮጳውያንን ኢትዮጵያውያንን ንኽልቀቁ ንምግባር ብዓበይቲ ዓዲ'ቲ ከባቢ ፅዕሪ ይግበር ከም ዘሎ ሚኒስትሪ ወፃኢ ኢትዮጵያ አፍሉጡ።

ናይቲ ሚኒስተር ዳይሬክተር ጀነራል ህዝባዊ ዲፕሎማሲን ኮሚኒኬሽንን አቶ ጌታቸው ረዳ ሎሚ ን'ሬድዮ ድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ ሬሳታት'ቶም ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ክሊ ዓፋር ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ዝሞቱ 5ተ ቱሪስት ነናብ ሃገሮም ተላኢኹ'ሎ፡ እቶም ዝቆሰሉ. 3ተ ሰባት'ዉን ይምለሱ'ለው ኢሎም።

በቲ መጥቃዕቲ ዝተጨወዩ 2ተ ጀርመናውያን ቱሪስትን 2ተ ኢትዮጵያውያንን ንኽልቀቁ'ውን ብመሰረት ባህሊ ዓፋር ብዓበይቲ ዓዲ'ቲ ከባቢ ፃዕሪ ይግበር ከም ዘሎን አቶ ጌታቸው ረዳ ገሊፆም።

አቶ ጌታቸው አብቲ መብርሂኦም "እዚ አጋጣሚ ምስ ተፈጥረ ዘይኮነስ ከይተፈጥረ'ውን ሓይልታት ፀጥታ ኢትዮጵያ ኣብቲ ከባቢ ይንቀሳቀሱ'ዮም፡ ኣብዚ እዋን'ቶም ሓይልታት ፀጥታ ሽማግሌታት ንዝገብርዎ ምንቅስቃስ'ዮም ዕድል ሂቦም ዘለው" ኢሎም።

ሙሉእ ፀብፃቡ ንምስማዕ ናብ ምልክት ድምፂ ብምኻድ ጠውቁ

XS
SM
MD
LG