ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'እሱራት ፖለቲካዊ መራሕቲ' ኣብ ኢትዮጵያ ከምዝፍትሑ ቀ/ሚ ኃይለማርያም ደሳለኝ ገሊጾም


'ብቤት ፍርዲ ዝተበየኖም ወይካኣ ዓቃቢ ሕጊ ክሲ ዝተታሓዞምን ጉዳዮም ይጻረይ ዘሎ መራሕቲ ፖለቲካን ውልቀ-ሰባትን ብሰንኪ ዝፈጸምዎ ጥፍኣት ኣብ መስርሕ ከምዘሎ ዝፍለጥ’ዩ። ነገር ግን፣ ምሕዩሽ ሃገራዊ ምርድዳእ መታን ክፍጠር ከምኡውን ዴሞክራሲያዊ ባይታ ንምስፋሕ ተባሂሉ፣ ገሊኦም ክሶም ተገቲኡን ብመሰረት ሕጊ ምሕረት ተገይሩሎም ሕጊን ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ብመሰረት ዝፈቕዶ ዝውሰዱ ፍታሓት ክህልው’ዮም ዝብል እምነት ኣለና። እዚ ዝፍጸም ድማ ንዴሞክራሲያዊ ስርዓትን ብዝሐ ፓርቲያዊ ስርዓትን ንምጥንኻር ተባሂሉ’ዩ' ኢሎም ቀ/ሚ ኃይለማርያም ደሳለኝ።

ኢትዮጵያ ንተቓወምቲ ንምዕፋን ጅምላዊ ማእሰርቲ ዝርከቦ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኣሲስ ኣበባ ዝርከብ “ማእከላዊ” ዝበሃል ቤት ማእሰርቲ ኣብ ልዕሊ እሱራት መስቀይቲ ብምፍጻም ይፍለጥ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ መንግስቲ ኢትዮጵያ እሱራት ንምፍታሕን ቤት ማእሰርቲ ንምዕጻውን ዝሃቦ መግለጺ ጽቡቕ’ኳ እንተኾነ ዘይተወድኡ ብዙሓት ነገራት ግን ኣለው ክብል ዓለምለኸ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣምንስቲ ኢንተርናሽናል ኣፍሊጡ።

ቅድሚ ሎሚ ተአሲሮም ዝተፍትሑ ውልቀሰባት ብወገኖም መንግስቲ ኢትዮጵያ ንነዊሕ እዋን ክኽሕዶ ዝጸንሓ እሱራት ፖለቲካ አሚኑ ክፈትሖም ምውሳኑ ዘሕጉስ’ዩ ግን ከምዝተለምደ ናይ ፖለቲካዊ መታለሊ ኮይኑ ኣይተርፍን ድሕሪ ምባል ኩሎም ኣብ ዝተፈላለየ ቤት ማእሰርቲ ዘለው ናይ ፖለቲካ እሱራት ድማ ክፍትሑ ኣለዎ ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG