ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ: ንግዲ ዘይንቀሳቀስ ንብረት ንናይ ወጻኢ ዜጋታት ከምትኸፍት ኣፍሊጣ


ፋይል
ፋይል

ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ ዜጋታት ካልኦት ሃገራት ከም ኣባይቲ ዝመሰለ ዘይንቀሳቀስ ንብረት ኣብ ኢትዮጵያ ክገዝኡን ዓለምለኸ ኩባንያታት ዕዳጋ ንክኸፍቱን ዘኽእል መደብ ወግዓዊ ገይሮም።

እዚ ዝኸውን ዘሎ 120 ሚሊዮን ህዝቢ ዘለዋን ብብዝሒ ህዝ ቢ ኣብ ኣፍሪቃ ካልኣይ ደረጃ ትስራዕ ኢትዮጵያ ካብ ዘጋጠመ ፋይናንሳዊ ኩነታት ንምምሕያሽ ኣብ እትፅዕረሉ ዘላ እዩ።

ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ ብቕድሚ ትማሊ ቀዳም ብመንግስታዊ ሚዲያ ኣብ ዝተሓላለፈ ንሓለፍቲ ንግዲ ኣብ ዝሃብዎ መደረ "ዜጋታት ካልኦት ሃገራት ንብረት ከጥርዩ ዘኽእል ሕጊ ክነተኣታቱ ኢና’’ ኢሎም። እቲ ሕጊ ኣብ ናይ መወዳእታ ናይ ምርቃቕ ደረጃ ከምዝርከብ ወሲኾም ገሊፆም።

መንግስቲ ንንግዲ'ታ ሃገር ንዓለምለኸ ተዋሳእቲ ንምኽፋት ዝነበሩ ቀይዲታት ንምፍኳስን ዓሊሙ ኣሎ ኢሎም።

ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ "እዛ ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብላ ሃገር ኣስታት 28 ቢሊዮን ናይ ወፃኢ ልቓሕ ኣለዋ።" ድሕሪ ምባል ሰማይ ምስ ዝዓረገ ሕፅረት ውህሉል ሸርፊ ወፃእን ኣብ ምቅላስ ከምትርከብ ሓቢሮም።

ኢትዮጵያ ቴሌኮሚኒኬሽን'ታ ሃገር ብኽፋል ብምኽፋት ንናይ ኬኒያ ቴሌኮም ኩባኒያ ሳፋሪኮም ፍቓድ ሂባ እያ። መንግስቲ ኣብ ባንኪ እውን ንናይ ወፃኢ ወፍሪ (ኢንቨስትመንት) ንምፍቓድ መደብ ከምዘለዎ ገሊፁ ኣሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG