ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ፥ ንኣገልግሎት ኣመጋግባን ትምህርትን ዝውዕል 400 ሚልዮን ዶላር ካብ ባንኪ ዓለም ክትረክብ'ያ


ኢትዮጵያ ንትምህርትን ኣመጋግባ ህፃናትን ዝውዕል 400 ሚልዮን ዶላር ሓገዝን ልቓሕን ካብ ባንኪ ዓለም ክትረክብ ምዃና ሚንስተር ገንዘብ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪካ ትማሊ ሓሙስ 27 ሓምለ 2023 ኣፍሊጡ።

350 ሚልዮን ዶላር ሓገዝን 50 ሚልዮን ዶላርን ድማ ልቓሕ ምዃኑ እቲ ሚንስተር ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ሓቢሩ።

እቲ ገንዘብ ንውፅኢት ትምህርትን ኣገልግሎት ኣመጋግባን ንምምሕያሽን ከምኡ'ውን ኣወሃህባ ኣገልግሎትን ተሓታትነትን ንምሕያል ዝውዕል ኮይኑ ኣብ ኩለን ዞባታት ንዝርከቡ ብግጭት፣ ድርቂ፣ ከምኡ'ውን ልዑል ደረጃ ስደተኛታት ንዝረኣየሎም ከባቢታት ዝውዕል ምዃኑ'ውን እቲ መግለጺ ይሕብር።

ሕፅረት ባጤራ ወፃኢ ዘጋጠማ ኢትዮጵያ፣ ለበዳ ኮቪድ-19፣ ኣብ ክልል ትግራይ ንኽልተ ዓመት ዝፀንሐ ኲናትን ንገለ ክፋል እታ ሃገር ዘዕነወ ድርቂ፣ ውሕጅን ወራር ዕስለ ኣንበጣን ክሳብ ሕጂ ሳዕቤናቱ ዝተኸወለ ኣይኮነን ክብል ሮይተርስ ኣፍሊጡ።


ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG