ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ግንባር ናጽነት ኦሮሞ ንምዝታይ ይቀራረብ


መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ግንባር ናጽነት ኦሮሞ፡ ካብ ጽባሕ ሰሉስ ጀሚሩ ኣብ ታንዛኒያ ንምዝታይ መደብ ሒዙ ምህላዉ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ገሊጾም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስተር ብሰንበት ኣብ ዘስምዑዎ መደረ፡ “ህዝቢን መንግስቲን ኢትዮጵያ ነቲ ዘተ ሰላም ይደልዮ ኣሎ፡ ካብ ድሕሪ ጽባሕ ጀሚሩ ድማ ምስ ኦኖግ ሸኔ ኣብ ታንዛኒያ ክጅመር’ዩ፡” ኢሎም። ዝርዝር ናይቲ ዘተን ኣዛተይቲ ኣካላትን ግን ኣይገለጹን።

ቀዳማይ ሚኒስተር ነቲ ዜና ኣብቲ ኣብ ትሕቲ “ኲናት የብቅዕ” ዝብል ብሰንበት ዝተኻየደ መድረኽ’ዮም ገሊጾም።

ግንባር ናጽነት ኦሮሞ ብወገኑ፡ ብዛዕባ’ቲ ዝተጠቕሰ ዝርርብ ሰላም ከምቲ ዝተባህለ ምዃኑ ኣመልኪቱ ኣሎ። እቲ ውድብ ግን ኣብ መግለጺኡ፡ መንግስቲ በቲ ቅኑዕ ስሙ ክጽውዖ ድሕሪ ምምልካት፡ “መንግስቲ ‘ሸኔ’ ኢሉ ምስያሙ ንመንፈስን መንነትን እቲ ውድብ ዝጻረር’ዩ ኢሉ። መግለጺ እቲ ግንባር’ውን ብተመሳሳሊ ዝርዝር ናይቲ ተመዲቡ ዘሎ ዘተ ሰላም ኣይሃበን።

ግንባር ናጽነት ኦሮሞ፡ ደጋጊሙ ሳልሳይ፡ ኣዛታዪ ኣካል ክጽውዕ ምጽናሑ ይዝከር።

ኣብቲ ብሰንበት ኣብ ኣደባባይ ምሕዝነት ዝተኻየደ ህዝባዊ ጽንብል፡ ኣብ ምስፋን ሰላም ኢትዮጵያ ተራ ተጻዊቶም ዝተባህሉ በበይኖም ሰብ-መዚ ክልል ትግራይን መንግስቲን ሽልማት ሰላም ተቐቢሎም።

XS
SM
MD
LG