ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ ንሽምግልና ቀጠር ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ከምትድግፍ ኣፍሊጣ


ወሃቢ ቃል ሚኒስትር ወጻኢ ኢትዮጵያ አቶ መለስ አለም
ወሃቢ ቃል ሚኒስትር ወጻኢ ኢትዮጵያ አቶ መለስ አለም

ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ዶ/ር ወርቅነህ ገበየሁ ምስ’ቲ ኩዌት ንቀጠርን ጎረባብታን ንምሽምጋል ትገብሮ ዘላ ጻዕሪ ብዝተሓሓዝ መልእኽቲ ቀ/ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ ንምብጻሕ ኣብታ ሃገር ከምዝርከቡ ወሃቢ ቃል ሚኒስትር ወጻኢ ኢትዮጵያ አቶ መለስ አለም ካብ ኪዌት ንድምጺ ኣሜሪካ ሓቢሮም።

“ንኽልቲኦም ወገናት ንምሽምጋል ብኣሚር ኩዌት ዝተጀመረ ጻዕሪ ኢትዮጵያ ከምትድግፍን ንምዕዋቱ’ውን ብወገና አበርኽቶ ንምግባር ድልየት ከምዘለዋ ዶ/ር ወቅነህ ኣብቲ እዋን ርኽብ ገሊጾም ኣለው። ከምኡ’ውን ኢትዮጵያ ዝኾነ ዓይነት ግብረ ሽበራ ከምተውግዝ ገሊጾም ኣለው።”

ኩዌት ኣብ 80ታት ብዒራቕ ምስ ተወረረት ኢትዮጵያ ኣብ ጎን ኩዌት ደው ከምዝበለት’ውን ከምዘዘኻከረት አቶ መለስ አለም ገሊጾም።

XS
SM
MD
LG