ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰርከስ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ዘካይዱዎ ዑደት ምርኢት ዛዚሞም


ካብ ትሻዓተ ክልላት ኢትዮጵያ ዝተዋፅኡ ኣባላት ጉጅለ ሰርከስ ኢትዮጵያ ቅድሚ ሎሚ ኣብ ዝተፈላለዩ ክልላት ኢትዮጵያ ብምዝውዋር ምርኢት ጥበብ ሰርከስን ውጽኢት ኪነ ጥበብን ኣቕሪቦም እዮም፡፡

ሎምቕነ ድማ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ትግራይ ተረኺቦም ትሕዝትኦም ብምቕራብ ካብ ህዝቢ ልዑል ናእዳ ረኺቦም እዮም፡፡

ኣባላት እታ ጉጅለ መናእሰይ ኪዳነማርያም ታደሰ፣ ማህደር ሮብሶን ካልኣዩ ፀጋይን ምስ ግርማይ ገብሩ ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ ምስ ካልኦት ተወለድቲ ብሄረሰባት ኢትዮጵያ ብሓባር ኮይኖም ብምስረሖም ጽቡቕ ዓቕምን ልምድን ከምዝፈጠረሎም ገሊጾም፤ ብዝላዓለ ፍቕርን ስኒትንዋኒኖም ይፍፅሙ ምህላዎም ተዛሪቦም፡፡

መናእሰይ ኣብ ጥበብ ሰርከስ ምስታፎም ካብ ስፖርታዊ ጥንካረ ዝያዳ ብሰናይ ባህሪ ክህነፁ ከምዝሕግዝ ሰለስቲኦም መናእሰይ ይምስክሩ፡፡

ኣብ ቐረባ እዋን ናብ ታንዛንያ ዳሬ ሰላም ብምኻድ ጸጋታት ሃገሮም ዘንጸባርቕ ጥበባዊ ትሕዝቶ ከቕርቡ እዮም፤ እቲ ኣብ ትግራይ እናተዘዋወሩ ከቕርብዎ ዝፀንሑ ምርኢት ታሪኻዊ ሃፍትን ጸጋን ዓዶም ንኽፈልጡ ክምዝሓገዞም ድማ ገሊፆም፡፡

ሙሉእ ትሕዝጥኡ ንምስማዕ ናብ ምልክት ድምፂ ብምኻድ ጠውቁ

XS
SM
MD
LG