ኣብ ትግራይ ብፍላይ ኣብ ከባብታት ገጠር ክሳብ ሎሚ ኣዋልድ ትምሃሮ ምህሮ ሓዲገን ክምርዐዋ ዘገድድ ሕብረተሰባዊ ፀቕጢ ኣሎ። ነዚ ፀገም ሰጊረን ብትምህርተን ዝነፍዓ ደቀንስትዮ ድማ ብበዝሒ ይረኣያ ኣለዋ።
ጓል 13 ዓመት ዮርዳኖስ ስብሃትን ጓል 15 ዓመት ልእልቲ ገብረመስቀልን ኣብ ምብራቕ ትግራይ ኣብ ጣብያ ፅገሬዳ ምሉእ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ፅገሬዳ ትምሃሮ 8ይ ክፍሊ እየን።
ኣብ ገዘአን ንወለደን ይሕግዛ፣ትምህርተን ብግቡእ የፅንዓን። ብፍላይ ልእልቲ ካብ ቀዳማይ ክፍሊ ኣትሒዛ ክሻብ 8ይ ክፍሊ ቀዳመይቲ ብምውፃእ ዝላዓለ ውፅኢት ተመዝግብ ኣላ።
“ወለደይ ገና ተምሃሪት ራብዓይ ክፍሊ እናሃለኹ ዝተምሃሩ ኣበይ በፂሖም ኮይኖም ብምባል ከመርዕዉኒ ድልየት ከምዝነበሮም ተረዲአ፤ ኮይኑ ግና ብቑልዕነትካ ሓዳር ምግባር ዘለዎ ጣጣ ስለዘረዳእኹዎም ሓሳቦም ቀይሮም” ብምባል ዘጋጠማ ትነግር።
ኣብቲ ከባቢ ብዙሓት ኣዋልድ ኣብ ዘይዕድሜአን ትምህርቲ ገዲፈን ክምርዐዋ ከምዝግበር ኣብ መወዳእትኡ ግና እተን ኣዋልድ ነቲ መርዓ ራሕሪሐነኦ ከምዝጠፍኣ ኣብ ዘላቶ ቁሸት ብዛዕባ ዘጓነፈ ክስተት ትገልፅ ልእልቲ።
ተምሃሪት ዮርዳኖስ ብወገና ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ምስ ዘለዉ መምሃራን ፅቡቕ ቅርበትን ምትሕግጋዝን ከምዘሎ ትገልፅ ኮይኑ ግና እቲ ቤት ትምህርቲ እኹል ወናብርን መፃሕፍትን ከምዘይብሉ ትዛረብ።
ሎሚ እውን ብዙሓት ተምሃሮ ኣብ ባይታ ኮፍ ኢሎም ይማሃሩ ምህላዎም ትገልፅ ዮርዳኖስ።
ፅገሬዳ ኣብ ወረዳ ክልተ ኣውላዕሎ ካብ ከተማ ውቕሮ ናብ ምብራቕ ሸነኽ 38 ኪሎ ሜትሮ ሪሒቕካ ትርከብ ገና ዘይዓበየት ጥንታዊት ሓውሲ ከተማ እያ።