ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ውግእ ኣብ ትግራይ፣ ትርጉሙን ሳዕቤናቱን


ኣብ ትግራይ ዝተወለዐ ውግእ ዳርጋ ክልተ ወርሒ ይኾኖ ኣሎ። ብመሰረት ዶ/ር ገላዴዎስ አርአያ 'ኣብ'ቲ ውግእ ንሰላማዊያን ሰባት ኮነ ኢልካ መጥቃዕቲ ብሰብ ኣልቦ ነፈርቲ (ድሮን) ብተወንጫፊን ከምዝተፈጸመ፣ ዘረፋ ዓበይቲን ናእሽቱን ትካላት ብሰራዊት ኤርትራ ከይተረፈ ከምዝተፈጸመ' ገሊጾም።

ኢንጂነር ግደይ ዘረአጽየን ብወገኖም 'ሰራዊት ኤርትራ ኣብ'ቲ ውግእ ከምዝተሳተፈን ከምዝድግፍዎን፣ ጠንቂ እቲ ውግእ ህወሓት ዝመርሖ መንግስቲ ትግራይ፣ ንኤርትራ፣ ማእከላይ መንግስቲን ክልል ኣምሓራን ከምጸላኢ ገይሩ ዝገለጾም ስለዝኾነ፣ እዞም ሓይልታት ኣብ'ቲ ውግእ ምስታፎም ዘግርም ኣይኮነን' ኢሎም።

ኣብ'ዚ ሓድሽ ዝኸፈትናዮ መደብ ሕቶን መልሲን ምስ ኣጋይሽ ካብ ሰማዕቲ ዝተቀበልናዮም ሕቶታት ቀሪቦም ካብ ኣጋይሽ መልሲ ተዋሂቡ አሎ።

ቀዳማይ ክፋል ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ።


XS
SM
MD
LG