ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ ኣብ ህዝባዊ ትካላት ሽጋራ ምስታይ ዝኽልክል ሕጊ ተግቢራ፡ነቲ ሕጊ ብምትግባር ድማ መቐለ ፈላሚት ከተማ ኰይና!


SMOKING BAN AT...
SMOKING BAN AT...

ኢትዮጵያ ውድብ ጥዕና ዓለም ዘውፀኦ ኣብ ህዝባዊ ትካላት ሽጋራ ምስታይ ዝኽልክል ስምምዕ ብ2002 ዓ.ም ከምዝተቐበለቶ ይዝከር። ሃገራዊ ባይቶ እታ ሃገር ነቲ ስምምዕ ንምትግባር ዘውፀኦ ሕጊ ኣብ ምትግባሩ ግና ደንጕዩ ‘ሎ።

እቲ ሕጊ ክልላት እውን ነናይ ባዕለን ሕጊ ከውፅኣ ስለዝፈቐደ ትግራይ እውን ነዚ መፈፀሚ ዝኸውን ደንቢ ቁፅሪ 83/ 2006 ኣውፀፂኣ’ላ። ብዚ መሰረት ነቲ ሕጊ ንምትግባር ቢሮ ሓላዋ ጥዕና ትግራይ ተግባራዊ ስራሕቲ የካይድ’ሎ። ብፍላይ ከተማ መቐለ ነቲ ሕጊ ብምትግባር ፈላሚት ከተማ ኮይና’ላ።

ኣብ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይ ተተካኢ ሓላፊ ምምሕዳርን ቁፅፅርን ምግብን መድሓኒትን ክንክን ጥዕና ኣይተ ባህረ ተካ ሎሚ ማዓልቲ ንድምፂ ኣመሪካ መብሂቦም እዮም።

ብመሰረት እቲ ዝወፀ ሕጊ ህዝቢ ኣብ ዝእከበሉን ግልጋሎት ዝረኽበሉን ቦታ ማለት’ውን ቤት ዕዮ፣ቤት ሲነማን ትያትርን፣ትካላት ጥዕና፣ ቤት ምግቢን ሆቴልን፣መዘናግዒ ቦታታት፣ህፃውንትን ነፍሰፁራትን ዝርከብሉ ቦታ፣ ኣብ ትካላት ትምህርትን ኣብ መጓዓዝያ ህዝብን ሽጋራ ምስታይ ተኸልኪሉ’ሎ።

ኣብዞም ዝተዘርዘሩ ህዝባዊ ትካላት ሽጋራ ክስተ ዝፈቐደ ወናኒ ትካል ካብ 1,500 ክሳብ 3,000 ቕርሺ ይቕፃዕ።

please wait

No media source currently available

0:00 0:05:55 0:00

XS
SM
MD
LG