ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ህዝቢ ከተማ ሽረ ብዛዕባ ፅፈት ስራሕ መንገዲ ዘቅረቦ መረረት ትኽኽል'ዩ። እዋን ኽራማት ምስ ሓለፈ ግቡእ ምዕራይ ክግበር'ዩ- ምኽትል ኸንቲባ'ታ ኸተማ


ኣብ ቀረባ እዋን ነበርቲ ኸተማ ሽረ እንዳስላሰ ኣብታ ኸተማ ዝስራሕ ዘሎ መንገዲ ፅፈቱ ዝሓለወ ብዘይምኻኑ ገና ተሰርሑ ክይተወደአን ተመርቁ ከይተረከበን ፈጋዕጋዕ ኢሉ ክብሉ አማሪሮም ኔሮም'ዮም።

አቶ ተኽላይ ገረዝጊሄር ገብረማርያም ኣብታ ኸተማ ምኽትል ኸንቲባን ሓላፊ ቤት-ፅሕፈት ልምዓትን ንግድን ኢንዱስትሪን፣ ሕቶ ነበርቲ ኸተማ ሽረ እንዳስላሴ ናብ ፊደራል መንግስቲ በዓል-ስልጣን መንገዲ ቀሪቡ ቀፃሊ እንታይ ክኸውን ከም ዘለዎ ኣብ ምርድዳእ ተበፂሑ'ዩ ክብሉ ምስ ሬድዮ ድምፂ አሜሪካ አብ ዘካየድዎ ቃለ-መጠይቅ ተዛሪቦም።

ካብቲ በዓል-ስልጣን ዝመፁ ተወከልቲ ምሳናን ምስቶም ነቲ ጥርዓን ዘቅረቡ ሰባትን ተራኺቦም ኣብ መስከረም ወይ ጥቅምቲ ዝናብ ምስ አብቅዓ እቲ ዝተበላሸወ ከም ብሓድሽ ንክስራሕ ኣብ ምርድዳእ ተበፂሑ'ዩ ኢሎም። አቶ ተኽላይ ነቲ እቶም ነበርቲ ሕቶ ስለ ዘቅረብና ዓረና ኢኹም ተባሂልና ክብሉ ዘቅረብዎ መረረት'ውን አሉታ ሂበም'ሉ።

እቲ ፕሮጀክት ናይ ፌደራል'ዩ ብዝብል ጥርዓና አብ ምምሕዳር'ቲ ከባቢ ሰማዒ ስለ ዘይረኸበ ፌደራል መንግስቲ ንኽሰምዓና ሰላማዊ ሰልፊ ክንገብር ኢልና እንተሓተተና'ዉን አይተፈቅደልናን በዚ'ውን መሰል ሰላማዊ ሰልፊ ምግባር አይተሓለወልናን ክብሉ ምስ ድምፂ ኣሜሪካ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ-መጠይቅ ተዛሪቦም ምንባሮም ይዝከር።

Recommended

XS
SM
MD
LG