ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ነበርቲ ከተማ ሽረ ብዛዕባ ፅፈት ኣብ ከባቢኦም ዝስራሕ ዘሎ ፅርግያ መረረቶም ይገልፁ'ለው


ኣብ ኢትዮጵያ ኽሊ ትግራይ ነበርቲ ከተማ ሽረ ኣብ ውሽጢ እታ ኸተማን ናብ ሸራሮ ዝወስድን ዝስራሕ ዘሎ ፅርግያ መንገዲ ተሰርሑ ከይተወደአ ተባላሽዩ ይልገብ'ሎ ክብሉ አማሪሮም ።

ብፍላይ'ቲ ናይ ከተማ ሽረ መንገዲ ዓበይቲ መኻይን ገና ኸይሓለፈኦ ባጃጅ ዝበሃላ ሰለስተ ሰባት ጥራይ ዝሕዛ ንአሽቱ መኻይን ጥራይ ኣብ ዝሓልፋሉ ዝተበላሸወ ደሓር እንታይ ክኸውን'ዩ ዝብል'ዩ እቲ መረረቶም።

ፅፈቱ ዝሓለወ ጌሩ ክሰርሕ ንዘይኽእል ትካል'ዩ ተዋሂቡ ዝበሉ'ቶም ነበርቲ ጥርዓኖም ንምምሕዳር'ታ ኸተማ ከምዘቅረቡን እቲ ፕሮጀክት ናይ ፌደራል መንግስቲ ፕሮጀክት'ዩ ብዝብል ሰማዒ ከምዝሰአኑ ይዛረቡ።

ፌደራል መንግስቲ ገንዘብ አውፂኡ እናሃለወ ፅፉፍ ስራሕ ዘይስራሕ ስለምንታይ ዝበሉ'ቶም ነበርቲ ሽረ ጥርዓና ብሰላማዊ ሰልፍ ክንገልፅ እንተበልና'ውን ተኸልኺልና ጥራይ ዘይኾነስ ነቲ ሕቶ ብምቅራብና ዓረና ኢኹም እናተባሃልና ንፈራራህ'ለና ስለዚ ፊደራል መንግስቲ ብፍላይ ቤት-ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር መለስ ዜናዊ ክፈልጦ ንደሊ ኢሎም።

XS
SM
MD
LG