ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ወፍሪ ክታበት ፀረ ሕማማት ኣልምስን ንፍዮን ኣብ ትግራይ


ሲስተር ደስታ ኣብዱሩሕማን ኣብ ወፍሪ ክታበት ፀረ ንፍዮ
ሲስተር ደስታ ኣብዱሩሕማን ኣብ ወፍሪ ክታበት ፀረ ንፍዮ

ካብ ፍርቂ ሚያዝያ ኣትሒዙ ፀረ ሕማም ኣልምሲ መከላኸሊ ክረኽቡ ዝነበሮም ልዕሊ 700 ሽሕ ትሕቲ 5 ዓመት ህፃናት ምሉእ ብምሉእ ከምዝተኸተቡ ካብ ቤት ፅሕፈት ጥዕና ክልል ትግራይ ዝተረኸበ መረዳእታ ይገልፅ።

ከምኡ እውን ካብ ህዝቢ ትግራይ 42.7 ኢድ ዝዀኑ ትሕቲ 15 ዝዕድመኦም ቆልዑ ፀረ ሕማም ንፍዮ ክታበት ይወሃቦም ምህላዉ ኣብ ቤት ፅሕፈት ጥዕና ትግራይ ኣተሓባባሪ ጥዕና ኣደታትን ህፃናትን ኣይተ ፍስሃ ኣሸብር ገሊፆም።

እቲ ወፍሪ ሎሚ መዓልቲ ከምዝዛዘም ዝገለፁ ኣይተ ፍስሃ ክሳብ ትማሊ 1 ሚልየንን 642 ሽሕን 975 ማለት እውን ካብቶም ክኽተቡ ዝግበኦም 90.1 ሚእታዊት ህፃናት ከምዝተኸተቡ ሓቢሮም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ወፍሪ ክታበት ፀረ ሕማማት ኣልምስን ንፍዮን ኣብ ትግራይ
please wait

No media source currently available

0:00 0:06:11 0:00

XS
SM
MD
LG