ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ከተማ ኵሓ ዝተሃነፀ ሆስፒታል ሕክምና ዓይኒ ግልጋሎት ምሃብ ጀሚሩ


ኣብ ትግራይ ኣብ ከተማ ኵሓ ዝተሃነፀ ሆስፒታል ሕክምና ዓይኒ ግልጋሎት ምሃብ ጀሚሩ

እቲ ማእኸል ሕክምና ዓይኒ ብሓልየት ዝተፈላለዩ ገበርቲ ሰናይ ትካላት እዩ ተሃኒፁ። ፕሮይክቶ ቪዥን ዝተባሃለ ስፔናዊ ገባሪ ሰናይ ንህንፀት እቲ ሆስፒታል 6 ሚልዮን ቕርሺ ኣበርኪቱ እዩ።

“ሂማልያ ካታራክ ዝተባሃለ ኣሜሪካዊ ትካል ብወገኑ 6 ሚልዮን ዝግምቶም ዓለም-ለኻዊ ደረጀኦም ዘማልኡ ዘመናዊ ናውቲ ሕክምና ዓይኒ ከምኡ’ውን መካይንን ብሓገዝ ሂቡ እዩ” ኢሎም ሕክምናዊ ሓላፊ እቲ ሆስፒታል ድ/ር ጥላሁን ኪሮስ።

ኣማሓዳሪ እቲ ሆስፒታል ኣይተ ተስፉ ሓረጎት ኣብ ትግራይ ሕክምና ዓይኒ ምስ ካልኦት ሕክምናዊ ግልጋሎት ተፃቢቡ ዝወሃብ ምስ ምንባሩ እቲ ተሃኒፁ ዘሎ ሆስፒታል ልዑል ኣበርክቶ ክህልዎ እዩ ኢሎም።

ፕሮይክቶ ቪዥን ኣብ ትግራይ ን16 ዓማውቲ ናፃ ሕክምና ዓይኒ ኣብ ምሃብ ዝረከብ ገባሪ ሰናይ ትካል እዩ።

እቲ ሆስፒታል ምስ ውሽጣዊ ናውቱ 17 ሚልዮን ቕርሺ ወዲኡ’ሎ

XS
SM
MD
LG