ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ልዕሊ 5 ሽሕ ነበርቲ ከተማ መቐለ ኣባይቲ ንሃንፀሉ መሬት ተኸሊእና ብምባል ይጠርዑ


ኣብ 261 ሕብረት ስራሕ ማሕበራት ኣባይቲ ዝተጣየሹ 24 ሽሕ ኣባላት ስድራ ዘለዎም 5 ሽሕ መራሕቲ ስድራ ቅድሚ ሽዱሽተ ዓማውቲ ሓቲትና ዝረኸብናዮ ሕጋዊ ፍቓድ ምህናፅ ኣባይቲ ሓዱሽ ሕግን መምርሕን ወፅዩ እዩ ብዝብል ተኸሊእና ይብሉ።

ምክትል ከንቲባን ኣካያዲ ስራሕ ከተማ መቐለ ኣይተ ኪዱ ሃይለዝጊ መንግስቲ መስከረም 2003 ኣብ ዘውፀኦ ደንቢ ቁፅሪ 62 ስርዓት ምሕደራ መሬት ኣብ ጨረታ ዝተመስረተ ክኸውን ከምዘለዎ ተቐሚጡ እዩ።

ተወዲቦም ኣባይቲ ክሃንፁ ዝደልዩ ድማ ብመልክዕ ኮንደሚንየም ተዘይኮይኑ ብመደዳ ዝስርሑ ገዛውቲ ብሕጊ ፍቓድ ኣይረኸቡን ይብሉ።

ወኪል እተን ጥርዓን ዘቕርባ ዘለዋ ጥምረት ማሕበራት ኣይተ ጎይተኦም ገብረመድህን ድማ ሕጊ ንድሕሪት ተመሊሱ ስለዘይሰርሕ ንሕና ክንዳነ ዘለና በቲ ቅድሚ 6 ዓማውቲ ዝነበረ ሕጊ እምበር በቲ ሐዚ ዝወፀ ኣዋጅ ኣይኮነን ይብሉ።

እቶም ጠራዕቲ ነቲ መንግስቲ ወሲድዎ ዘሎ ስጉምቲ ብምቅዋም ሰላማዊ ሰልፊ ክወፁ ሓቲቶም ከምዘይተፈቐደሎም ይገልፁ። ጥርዓኖም ቀፃላይ ምዃኑ ድማ ሓቢሮም።

XS
SM
MD
LG